በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ጅማ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 1 ሺሕን 447 በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ከተማ ጅማ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ፡፡

እቲ በዓል ሶላትን ተክቢራን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ንምኽባር ተተልቲ እምነት እስልምና፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣካቢ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ከተማ ጅማ ሼኽ መሓመድኣሚን ተማም ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ህዝበ ሙስሊም ድሕሪ ሶላት መግለፂ በዓል ዓረፋ ዝኾነ ህያብ ንዓቕመ ደካማታት ክህብ ኣለዎ ኢሎም።

ስሩዕ ዝኾነ ምርድዳእ ኣብ ዝኾነ እዋን ክዝንጋዕ ኣይግባእን ክብሉ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ብኣብዱረህማን መሓመድ

Comments (0)
Add Comment