በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 1 ሺሕን 447 በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል ብተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ፡፡

ኣብ ምኽባር እቲ በዓል ሶላትን ተክቢራን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት እናተወገኑ ይርከቡ፡፡

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ንዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ሙስሊማት መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት እንኳዕ ኣብፀሐኩም ገሊፁ።

ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ዓቅመ ደካማታት ብምድጋፍ ኢስላማዊ ክብሪታተቱ ሓሊዩ ንኸኽብር እውን ፀዊዑ።

እቲ በዓል ናይ ነቢዩሏህ ኢብራሂም (ዐ.ሰ) እምነት፣ መስዋእትነትን ትዕግስቲን ዝዝከረሉ ስለዝኾነ፤ ህዝበ ሙስሊም መንፈሳዊ ክብሪታቱ ሓሊዩ ከኽብሮ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ብምርድዳእን ብምትሕግጋዝን ምኽባር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ዓቕመ ደካማታት፣ ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናትን ሕሙማንን ብምሕታትን ብምርዳእን ምኽባር ይግባእ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment