ቢሊየን ዶላራት ዘድሐነ ምንቅስቓስ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ብብዙሕ ዓውድታት ኦኮኖሚ ብምክታል ሉኣላውነታ ንምዕዋት ኣብ ዘደንቕ ጉዕዞ ትርከብ።
በዙይ እውን ብፍላይ ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ምህርቲ ሓጋይ ስርናይ ኣብ ምፍላጥ ኣብ ስርናይ ዓርሰ ምኽኣል ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ዝኽእለሉ ዓይነት ምሳሌ ተገይሩ ዝቐርብ እዩ።
ብተወሳኺ ካብ ወፃኢ ዝኣትው ኢንዱስትሪ ፍርያት ካብ ፅግዕተኝነት ተናጊፍና ዓርሳ ምኽኣል ጥራሕ ዘይኾነስ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ ኣብ መስርሕ ዘደንቕ ከይዲ ኢንዱስትሪ ስግግር።
ነዙይ ድማ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣበግሶነት ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ኣፍራይነት ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ሱር ነቐል ለውጢ ኣብ ምምፃእ ካብ መጀመሪኡ ዝጭበጥ ውፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ።
እዚ ምንቅስቓስ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተዓፀው ፋብሪካታት ዳግማይ ስራሕ ብምጅማር፡ ኣፍራይነት ብምዕባይን ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ከምኡ እውን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፍርያት ብምትካእ ብቢሊየን ዶላራት ዝግመት ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ተኻኢሉ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ከምዘርእዩ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ጥራሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብፍላይ ኣብ ተተካእቲ ፍርያታት 4 ነጥቢ 85 ቢሊየን ዶላር ዝግመት ፍርያት ተፈሪዩ።
ብሃይለማርያም ተገኝ
Comments (0)
Add Comment