ባሕሪ ዝተኸልከሉ ባሕረተኛታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማይ ንኢትዮጵያ ትማሊኣን ሎሚኣን እዩ። ናይ ትማሊ ታሪኻ ካብ ዓበይቲ ማያት ዝተቐድሐ እዩ። ናይ ሎሚን ፅባሕን ምዕባለኣ እውን ካብ ማይ ዝተነፀለ ኣይኮነን።

ቀዳሞት ኢትዮጵያውያን መስመራት ባሕሪ ተቖፃፂሮም ነይሮም። ዓለም ለኸ ንግዲ ኣተኣሳሲሮም እዮም። ሓሳብ፣ ሃይማኖትን ርክብ ደቂ ሰባትን ብባሕሪ ኣቢሎም ኣሰጋጊሮም እዮም። ደቆም ግን፣ “ኣቦታትና ባሕረተኛታት ነይሮም” ዝብል ናፍቖት ሒዞም ቆዚሞም እዮም።

ምትእስሳር ኢትዮጵያን ባሕሪን ናይ ቀረባ ግዘ ምህዞ ኣይኮነን። ናይ ኣሽሓት ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ባህላዊን ንግዳውን ርክብ እዩ። ስልጣነ ኣኽሱም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደብ ኣዱሊስ ከም ቀንዲ መስኮት ንግዲ የገልግል ነይሩ። በዚ ወደብ ኣቢሉ ምስ ሮማ፣ ባይዛንታይን፣ ደቡብ ዓረብ፣ ፋርስን ህንዲን ሰፊሕ ንግዲ ይካየድ ነበረ።

ተመራመርቲ ከም ዝገልፁዎ፤ ኣዱሊስ ንስልጣነ ኣኽሱም ከም ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ትቑፀር ኣገዳሲ ግደ ነይሩዋ። ናብታ ግዝኣት ዝኣቱ ዝነበረ ኩሉ በዚ ወደብ ይሓልፍ ነይሩ። እዚ ታሪኻዊ ሓቂ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ጥንታዊ ርክብ ዘረጋግፅ ምስክር እዩ።

በሸፈጥ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምግንፃ ስዒቡ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ኮይና እያ። ካብ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ንላዕሊ ብመሬት ጥራይ ተደሪታ ፀኒሓ። ሎሚ ዳርጋ 95 ሚእታዊ ንግዳ ብኪራይ ወደባት ይሓልፍ።

እዚ ብመዐቀኒ ታሪኽን ተፈጥሮን ፍትሓዊ ዘይኮነ ወደብ ኣልቦነት ንኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ብቢልዮናት ዝቑፀር ዶላር ኪራይ ወደብን ኣገልግሎትን ክትከፍል ገይርዋ እዩ።

መንግስቲ መደመር ኢትዮጵያ እስርቲ መልከኣ ፖለቲካ ኮይና ምፅናሓ ከብቅዕ ኣለዎ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ኣለዎ። እዚ ቅዋም ድማ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተረዳዲኦምሉ እዮም።

ሕቶ ኢትዮጵያ ኲናት ዝጠልብ ዘይኮነስ፣ ብሰላማዊ መገዲ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ሓበራዊ ተረባሕነትን መሰረት ዝገበረ ሕጋዊን ፖለቲካዊን ስጉምቲ እዩ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብብዝሒ ህዝባ፣ ብኣበርክቶኣ ኣብ ምኽባር ሰላምን ኢኮኖሚያዊ ዓቕማን ናይቲ ዞባ ሞተር ዝኾነት ኢትዮጵያ፤ በሪ ባሕሪ ምርካባ ሰላም እቲ ዞባ ዘፅንዕ እምበር ዘናግዕ ኣይኮነን።

ሕጋዊ ስምምዓትን፣ ሓባራዊ ልምዓትን ከምኡ’ውን መትከል ዞባዊ ምትእስሳር ብምኽታል እዚ ታሪኻዊ መሰል ምኽባር ሕልሚን ህልውናን ኣማኢት ሚልዮናት ሰባት ዘረጋግፅ ወሳኒ ስጉምቲ ኮይኑ ክቕፅል እዩ።

ብሶስና ኣለማየሁ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment