ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2025/26 ዓ.ም 80 ቢሊየን ብር ትርፊ ረኺቡ፡፡
ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቤ ሳኖ ኣፈፃፅማ በጀት 2025/26 ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ባንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት 648 ቢሊየን ብር ልቓሕ ከምዝሃበ ተዛሪቦም፡፡
በቢዓመቱ ልዕሊ 707 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ተቐማጢ ገንዘብ ብምእካብ ሓፈሻዊ ተቐማጢ ገንዘቡ ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ትሪሊየን ብር ከምዘብፀሐ ገሊፁ፡፡
ብኻሊእ መዳይ ኣብቲ በጀት ዓመት 80 ቢሊየን ብር ትርፊ ምርካቡ ኢዮም እቶም ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣመልኪቶም፡፡
ካብ ንግዲ ወፃኢ 2 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ከምዝተረኸበን በዚ ድማ ብሓፈሻ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ክልተ ዓመት 5 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።
እቲ ባንኪ ኣብ ዝቕፅል ዓመት 832 ቢሊየን ብር ተቐማጢ ገንዘብ ንምእካብ ከምኡ እውን ኣታዊኡ 360 ቢሊየን ብር ንምብፃሕ ከምዝተለመ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም፡፡