ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስያመ፣ ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ፌደራል ንምውሳን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስያመ፣ ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ፌደራል ንምውሳን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምምርማር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዘፅደቖ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ፍሉይ ኣኼባኡ እዩ።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ሰፊሕ መፅናዕቲ ዝተገበረሉን ምስ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ዘተ ብምክያድ እኹል እታወት ዝተረኸበሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ትካላት ፈፀምቲ ቤት ዕዮታት መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተርኣዩ ሕፅረታት ንምእላይ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ከም ዝሕግዝ ከምኡ እውን ሰብኣዊን ዲሞክራስያዊን መሰላት ዜጋታት ንኽኽበሩን ናብራ ህዝቢ ንምምሕያሽን ዝሕግዝ  እዩ ተባሂሉ።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣወዳድባ ትካላት ብግልፂ ምቕማጥ ሃፍቲ መንግስቲን ህዝቢን ሓለፍቲ ስራሕ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ንምኽኣል ልዑል ዓቕሚ ከምዝፈጥር እውን ተመልኪቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ቅልጡፍን ውፅኢታዊን ኣወዳድባ ብምፍጣር ናይ ትካላት ኣፈፃፅማ ዓቕሚ ንምዕባይ ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎ ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ባይቶ ኣመልኪቱ።

Comments (0)
Add Comment