ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣወዳድባ 13 ቀወምቲ ኮሚቴታት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ 1ይ ዓመት ብሓድሽ መልክዕ ዝተወደቡ 13 ቀወምቲ ኮሚቴታት ኣወዳድባ፣ ተግባርን ሓላፍነትን ኣፅዲቑ።

ኣፈ ጉባኤ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ ኣኼባ ከምዝገለፅዎ፣ ስያመኦም ዝተቐየሩ ትካላት ብምህላዎም ብመሰረት ስትራቴጂካዊ ትልሚ መንግስቲ መደመር ተግባርን ሓላፍነትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ብሓድሽ መልክዕ ክውደብ ተገይሩ እዩ።

በዙይ መሰረት እቲ ባይቶ ነዞም ዝስዕቡ 13 ቀወምቲ ኮሚቴታት ኣፅዲቑ፦

  1. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን
  2. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ
  3. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምምሕዳርን ቁፅፅርን ወፃኢታት መንግስቲ
  4. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሰብ ሃፋትን፣ ምውፋር ስራሕን ቴክኖሎጂን
  5. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ጥዕና፣ ማሕበራዊ ልምዓትን ስፖርትን
  6. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማይ፣ መስኖ፣ ቆላማ ከባቢታትን ከባቢታት ልምዓትን
  7. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ
  8. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኢንዱስትሪን መዓድንን
  9. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት መሰረተ ልምዓት ከተማታትን ሎጂስቲክስን
  10. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ንግዲ፣ ባህልን ቱሪዝምን
  11. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሃገራዊ ስትራቴጂ፣ ባጀትን ፋይናንስን
  12. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ
  13. ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዝምድና ወፃኢን ሰላምን

ሕድሕድ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣቦ ወንበርን ምክትል ኣቦ ወንበርን ዝህልውዎ እንትኾን፣ እቶም ኣከብቲ ብኣፈ ጉባኤ ቀሪቦም ብባይቶ ወከልቲ ተመሪፆም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣወዳድባ፣ ተግባርን ሓላፍነትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ንምውሳን ዝቐረበ ሓሳብ ውሳነ ቁፅሪ 03/2019 ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment