ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘፈር ሓይሊ ንምዝማን ዝውዕል 145 ነጥቢ 8 ሚልየን ዶላር ስምምዕነት ልቓሕ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘፈር ሓይሊ ንምዝማን ዝውዕል 145 ነጥቢ 8 ሚልየን ዶላር ስምምዕነት ልቓሕ ኣፅዲቑ።

እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ዝተገበረ ኮይኑ፤ ኣዋጅ ቁፅሪ 1441/2019 ብምዃን ብምሉእ ድምፂ ኣብቲ ባይቶ ፀዲቑ።

ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ፍቓዱ ተሰማ ናብቲ ባይቶ ኣብ ዘቕረቡዎ መብርሂ፤ እቲ ዝተረኸበ ልቓሕ ንምፍፃም ፕሮጀክት ምዕራፍ ሓደ ምስ ሪፎርምን ኢንቨስትመንትን ዘፈር ሓይሊ ንምዝማን  ከም ዝውዕል ገሊፆም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ልቓሕ መተሓላለፊ መስመር ሓይሊ ኣዲስ ኣበባ ምጥንኻር፣ ሓደሽቲ ጣቢያታት ሓይሊ ምህናፅ፣ ነባራት ጣቢያታት ሓይሊ ምምሕያሽ፣ ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ መሬት ዝዝርግሑ መስመራት መመሓላለፊ ሓይሊ ምዝርጋሕ ከም ዘኽእል ኣብሪሆም።

እቲ ልቓሕ ምስ ስትራቴጂ ኣሃህባን ምምሕዳርን ልቓሕ እታ ሃገር ሙሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕን ንዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘለዎን ከምዝኾነን እውን ገሊፆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Comments (0)
Add Comment