ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 57 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣሕሊፉ፡፡
ምክር ቤቱ ተወያይቶ ውሳኔ ያሳለፈባቸው ጉዳዮች እንደሚከተለው ቀርበዋል፡-
- እቲ ቤት ምኽሪ ኣቐዲሙ ዝተዛተየሉ ዛዕባ፤ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ኣብ ዝተፈረሙ ለሰስተ ስምምዓት ፋይናንሳዊ ሓገዝን ልቓሕን ኢዩ፡፡
ሰለስቲኦም ስምምዓት ምስ ፖሊሲ ልቓሕ ኢትዮጵያ ዝጠዓዓሙ ከምዝኾኑ ብምርግጋፅ እቶም ረቀቕቲ ኣዋጃት መፅደቒ ስምምዕነት ልቓሕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
- እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብምቕፃል ትካላት ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን፣ ኣገልግሎት ቤተ መዛግብቲን ቤተ መፃሕፃን ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ ንዝህቡዎም ፍሉያት ኣገልግሎታት ዝኽፈሉ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊታ ንምውሳን ኣብ ዝቐረቡ ረቀቕቲ ደምቢታት ተዛቲዩ፡፡
ኣብቶም ረቀቕቲ ደምቢታት ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታይ ድማ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ፌዴራል ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሞም ካብ ዝወፅኡሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ንኽውዕሉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
- ካብዚ ብምቕፃል ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተዛተየሉ ዛዕባ፤ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት ኣባልነት መጣየሺ ባንኪ ኒው ዴቨሎፕመንት ኢዩ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ጉዳይ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
- ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ኣኼባኡ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ዝተዛተየ እንትኸውን፤
ኣብቲ ፖሊሲ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ካብ ሎሚ መዓልቲ 19 ሰነ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
- ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየሉ ዛዕባ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ልምዓት ከተማ ኢዩ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ፖሊሲ ብዕምቆት ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝፀደቐሉ ሎሚ መዓልቲ 19 ሰነ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡