ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሹመታት መዓርግ ምክትል ከንቲባ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ ከንቲባ ኣዳነች ኣበበ ብማዕርግ ምክትል ከንቲባ ዘቕረበኦም ኣርባዕተ ሽመታት ኣፅዲቑ።

በዚ ድማ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ልምዓት ሓይሊ ሰብን እታ ከተማ ብምዃን ተሸይሞም።

ከምኡ እውን ኣይተ ሚሊዮን ማቴዎስ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ስራሕን ክእለትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሸይሞም።

ኣይተ ሃፍታይ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኖም፤ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሸይሞም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣይተ ኣብዱልቃድር ሬድዋን ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሸይሞም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ናይ ተሸወምቲ ልምዲ ስራሕን ብቕዓትን ንቤት ምኽሪ እታ ከተማ ድሕሪ ምቕራበን፣ እቲ ቤት ምኽሪ ነቶም ሹመታት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

Comments (0)
Add Comment