ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓለም ለኸ ምህዳር ጂኦፖለቲካ ሓይሊ ሚዛን እናተቐየረ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ኢትዮጵያ በዓል ብዙሕ ወገንን ክልተኣዊን ሽርክነታት ብምክያድ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላው እናሰርሐት ትርከብ።
ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ንጡፍ ተሳትፎ እናገበረት ትርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ወሳኒ ኢኮኖሚያዊ ጉዳይ ምዃኑ ኣብ መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም እዮም።
እዚ ጉባኤ ብሪክስ ዓቕሚ ሃገራት ኣፍሪካ ብርእሰን ንምውሳን ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ኢትዮጵያ እትኽተሎ መስርሕ ናይ ባዕልኻ ፀገም ባዕልኻ መፍትሒ ምሃብን ሓባራዊ ተረባሕነትን ዝድግፍ እዩ።
በዓል ብዙሕ ዋልታዊ ስርዓት እናተጠናኸረን ፅዕንቶ ንምፍጣር ዓቕሚ ዘለወን ሓያላት ሃገራት እናበዝሓን ኣብ ዝርከባሉ እዋን፤ ብሄራዊ ረብሓ ብምቕዳም ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሓባር ምስራሕ ኣድላዪ እዩ።
ብሪክስ ኢኮኖሚያዊ ፖለቲካዊን ዓለም ለኻዊን ፅዕንቶኡ ንምስፋሕ ካብ ከባቢያዊ ሽርክነት ሓሊፉ ዓለም ለኸ ትርጉም ዘለዎ ምሕዝነት እዩ። ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ንሓባራዊ ልምዓትን ድሕነትን ንምስራሕ ዝኽእላሉ መንገዲ ፈጢሩ እዩ።
እዚ መድረኽ ኢትዮጵያን ኢራንን ኣባልነት ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ድጋፍ ዝረኸባሉ፣ ንቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ብሕታዊት ሕፅይቲ ኣፍሪካ ኮይና ንኽትቀርብ ዝተቐበለሉ፣ ከምኡ’ውን ንኢትዮጵያ መተኣናገዲት ኮፕ 32 ንኽትከውን ድጋፍ ዝተውሃበሉ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ ብሪክስ ንምስታፍ ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን፤ ምስ ፕሬዚዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፣ ምስ ወራሲ ዓራት ኣቡ ዳቢ ልኡል ሼኽ ኻሊድ ቢን ሙሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ኣንዋር ኢብራሂም፣ ምስ ፕሬዚዳንት ኢራን መስዑድ ፔዜሽኪያን፣ ከምኡ እውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም እዮም።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ኣኽቢረን ብሓባር ክሰርሓ ምስ ዝኽእላ ሃገራት ብሓባር ንምስራሕ ዝተፈጠሩ ዕድላትን ኣጋጣሚታትን ብግቡእ ከም እትጥቀመሎም ዘርኢ እዩ።
ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ዲፕሎማሲ እትኸዶ ዘላ ናይ ፅዕንቶ ፈጣራይነትን ፣ገዲ ብራኸን ብጭቡጥ ዘመላኽት እዩ።
ብቤተልሄም ግርማ