ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም. (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር ብቐሊሉ ኣይትህነፅን፣ ሓባራዊ ራኢ ምሓዝ፣ ብትግሃት ምስራሕ፣ ብመንፈስ ምትሕብባር ብሓባር ምቛም፣ ዕላማ ናብ ሸቶ ንምብፃሕ ቆራፅነት ይሓትት።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዘርአዮ ቆራፅነት ንዕላማ ናይ ምፅናዕ መልክዕ እዩ፤ ንከይዲ ምህናፅ ዲሞክራሲን ምኽባር መሰላትን ዝተኸፈለ ክባር ዋጋ እውን እዩ።
ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ፈተናታት እንትትናጋዕ፣ ኢትዮጵያ እውን ዘጋጠሙዋ ብድሆታት ናብ ዕድል ቀይራ እናተጓዓዘት ትርከብ ብትዕግስቲን ፅንዓትን ዜጋታት፣ ከምኡ እውን ብቆራፅነት ኣመራርሓ እዩ።
ሃገር “ኣነ ጥራሕ” ብዝብልን ኣፈላላይ ጥራሕ ማእኸል ብዝገበረ ኣካይዳን ኣይትህነፅን፣ ኣይትፀንዕን እውን። የግዳስ ኣፈላላይ ብምኽባር፣ ዘይምስምዕማዕ ብዘተ ብምፍታሕን ሰላማ ተፅንዕ።
ሰላማ ኣብ ዝተኸበረ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ካብ ወፃኢ ፃናው ሃገር ናይ ምትርማስ ኣጀንዳ ንምስጓም ንዝደልዩ ኩሎም ፀላእቲ ማዕፆታት ይዓፁ።
ሃገር ዘላቒ ሰላም እንትህልዋ፣ ዜጋታት ኩሉ ትኹረቶም ናብ ልምዓት ይምለሱ። ሎሚ እውን ህዝቢ ንሃገሩ ናብ ልምዓትን ዕቤትን ዝመርሑ ተግባራት ብቖራፅነት እናተሳተፈን እናሃነፀን ይርከብ።
ኢትዮጵያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘጋጠሙዋ ኩሎም ፈተናታት ብትዕግስቲ ሓሊፋ ንፍረ እንትተብዕ ዝተዋደደን ዝተናበበን ፃዕሪ ህዝቢን መንግስቲን ልዑል ኣስተዋፅኦ ነይሩዎ።
ፕሮጀክት እቲ ግድብ ንምትዕንቓፍ ዝተኻየደ ዘመተ ሽርሒ እንተይዓገታ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብደምን ረሃፅን ብዘርአዮ ትግሃትን ብዝኸፈሎ ክባር ዋጋን ዕላማኡ ናብ ግብኡ ኣብፂሑ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዝዛም ህንፀት እቲ ግድብ እውን ፕሮጀክትታት ብስራት ጉባ ሓዊሱ ብዙሓት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እናሃነፀት ትርከብ። ብምዃኑ ድማ እዞም ፕሮጀክትታት ውፅኢታዊ ንኽኾኑ መንግስቲ መደመር ዝገበሮም ፃዕሪታት ሓገዝ፣ ትግሃትን ንቑሕ ተሳትፎን ዜጋታት ወሳኒ እዩ።
#ኢትዮጵያ #መንግስቲመደመር