ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ንዝመፅእ ቀዳም “ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር በዓል ሆራ ፊንፊኔ ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መርሃ ግብሪ ፅሬት ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ዝርከብ መኽበሪ በዓል ሓዊሱ ከባቢኡ ፅሩይ ፅቡቕን ማራኽን ንምግባር ዘኽእል ስራሕ ፅሬት ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ብምክትል ከንቲባ መዓርግ ሓላፊ ፅሕፈት ጨንፈር ብልፅግና ፓርቲ ኣዲስ ኣበባ ጀማሉ ጀንበር (ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ከምኡ’ውን ኣባገዳታት፣ ኣርቲስታት፣ ነበርቲ ከተማን መንእሰያትን ተሳቲፎም።
ብሳራ ስዩም