ብናፅነት ተዓጂቡ ዝደምቕ ፅባቐ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ክረምቲ እናሓለፈ፣ ሓርየት ሩባታት እናፀረዩ፣ ነሓሰ እናተወድአ እንንትኸይድ ኣዋልድ ብናፍቖት ዝፅበያኦ ግዜ ደበኽ ይብል።

መሬት ለምለም እንትትከውን ጎራዙ ብባህላዊ ክዳውንቲ ይምዕርጋ።
ካብ ኣፍ እተን ጎራዙ ኣብ እዋን እቲ በዓል ፅያፍ ቃል ኣይወፅእን፤ ዝስማዕ ኩሉ ድማ ምስጋና፣ በረከትን ሙገሳን እዩ።

ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ካብ ፍርቂ ነሓሰ ክሳብ ፍርቂ መስከረም ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ዝኽበሩ በዓላት ኣሸንዳ፣ ሻደይ፣ ማርያ፣ ኣሸንድዬ፣ ሶለልን ዓይኒ ዋሪን ናይቲ ከባቢ ባህሊ፣ ልምድን ማሕበራዊ ክብሪን ዘንፀባርቑ እዮም።

ድሕሪ ምዝዛም ፆም ፍልሰታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝኽበሩ እቶም በዓላት ዝተፈላለየ ስያመ እኳ እንተሃለዎም፥ መሰረታዊ ባህላዊ ትሕዝቶ ኣከባበራኦም ግን ተመሳሳሊ እዩ።

ኣብ ትግራይ ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን፤ ኣብ ክልል ኣማራ ድማ ሻደይ፣ ኣሸንድዬን ሶለልን ብዝብሉ ስያመታት ይፅውዑ።

ስያመታቱ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ እኳ እንተተፈላለዩ እዞም በዓላት  ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ሓጎስ፣ ማሕበራዊ ርክብን ርእሰ-ተኣማንነትን ፍሉይ መግለፂ መድረኽ ይፈጥሩ።

በዚ ድማ ካብ ሓደ መዓልቲ ናይ ሓጎስ ስነ-ስርዓት ንላዕሊ ባህላዊ ፍልጠትን ማሕበራዊ ክብሪታትን ዝመሓላለፉሎም ህያው ቅርስታት ኮይኖም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፉ መፂኦም።

ጎራዙ ኣብ እዞም በዓላት ናፅነት ዝረኽባሉ፣ ፅባቐአን ዝደምቀሉን እናተቐባበላ ዝደርፍኡ ዜማ ዝቐርበሉን ዝሕጎሳሉን ብምዃኑ እቲ በዓል ዝመፅኡሉ ግዜ  ብናፍቖት ይፅበያ።

ስለዝኾነ መዓልቲ በዓል ምስ በፅሐ፥ ኣዋልድ ባህላዊ ክዳውንትን ገይፀ መይፅን ብምኽዳን ይእከባ፤ ይዝምራ፣ ይስዕስዓ፣ ከበሮ ድማ ይወቕዓ። ለምለም ሳዕሪ ኣሸንዳ ኣብ መዓንጠአን ኣሲረን ምእሳር እውን ሓደ ካብ መግለፂታት ኣከባብራ እቲ በዓል እዩ።

እተን ኣዋልድ ናብ ኣደባባይ ወፂአን ዘስምዕኦ ሓባራዊ ዜማታት፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ምዝዛም ክረምቲ፣ ኣብ ኩሎም ጎቦታትን ኣኽራናትን ዘለዉ ዕምባባታት ዝዕንብብሉ፣ ምፅራይ ፍልፍላት ማይ ዝረጋገፀሉ፣ ኣዝርእቲ ናብ ኣፍና የብሉ ኣብ ዝብል ብርኪ ዝበፅሕሉ እዋን ምዃኑ የብስራ።

ዜማ፣ ሳዕሲዒት፣ ባህላዊ ክዳውንትን ጌይፃ መይፅንነቲ በዓል ዝማልኡ ጥራይ ዘይኮኑስ፥ ባህላዊ ፍልጠት ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ዝቕፅል ወለዶ ንኽመሓላለፍ ይገብሩ።

ማሕበራዊ ረብሓ እዚ በዓል እውን ዓቢ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ነቲ በዓል ብምኽባር ማሕበራዊ ርክባት የጠናኽራ፣ ባህላዊ መንነተን ድማ ይሕልዋ።

ዜማታት፣ ሳዕሲዒታት፣ ክዳውንትን ስነ-ስርዓታትን እዞም በዓላት፥ ታሪኽን ባህላዊ መንነትን እቶም ከባቢታት ንምቕፃል ወሳኒ ተራ ኣለዎም።

ነዚ ባህላዊ ሃብቲ ብብርኪ ዓለም ንምፍላጥ፣ ኢትዮጵያ ኣሸንዳ፣ ሻደይ፣ ኣሸንድዬ፣ ሶለል፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን ኣብ ዩኔስኮ ዝርዝር ወካሊ ዘይዳሰስ ቅርሲ ሰብ ዘርኢ ንኽምዝገብ ሰነድ ኣቕሪባ ኢያ።

ምዝገባ ዩኔስኮ እንተተዓዊቱ እዚ በዓል ባህላዊ ብዙሕነት ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ዓቢ ዕድል ክፈጥር ይኽእል።

ብፍላይ ባህላዊ ቱሪዝም ብምዕባይ፣ ተሳትፎ  ከባቢያዊ ማሕበረሰባት ብምጥንኻርን ባህላዊ ስነ-ስርዓታት ንዝመፅእ ወለዶ ብምስግጋርን ጥቕሙ ኣዝዩ ዓቢ እዩ።

ይኹን እምበር፣ ቅርሲ ምምዝጋብ ጥራይ እኹል ኣይኮነን፤ እዚ በዓል ዝኽበሩሎም ማሕበረሰባት ባህላዊ ፍልጠቶምን ተሳትፎኦምን ምሕላው እውን የድሊ።

ምኽንያቱ በዓል ኣሸንዳ፣ ሻደይ፣ ኣሸንድዬ፣ ሶለል፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን ካብቶም ባህላዊ ብዙሕነት ሰሜን ኢትዮጵያ ዘንፀባርቑ ፍሉያት ልምድታት ሓደ ስለዝኾነ።

እዚ በዓል ምኽባርን ምቕፃልን ናይ ዘመናት ባህሊ ምሕላው ጥራይ ዘይኮነስ፥ ማሕበራዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ፣ ማሕበራዊ ርክብን ባህላዊ ሃብቲ ኢትዮጵያን ንዝመፅእ ወለዶ ምስግጋርን እውን እዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment