ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ 2018 በጀት ዓመት 36 ነጥቢ 08 ቢሊየን ብር ግብሪ ከፊሉ፡፡
ንሃገር ዝኽፈል ግብሪ ንወለዶ ዝመሓላለፍ ሃፍቲ እዩ ዝበለ እቲ ባንኪ፤ ግብሪ ብተኣማንነት ምኽፋል ማለት ንልምዓት ሃገር ምድጋፍ ምዃኑ ገሊፁ።
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ፋይናንስ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ሓሊፉ ግቡእ ግብሪ ብተኣማንነትን ብሓላፍነትን ብምፍፃም ብኣብነታዊ ናይ ተግባር ኣሰራርሓኡ የረጋግፅ ኣሎ።
እቲ ትካል ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ጥራሕ 36 ነጥቢ 08 ቢልዮን ብር ግብሪ ብምኽፋል ኣብ ልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣሰር ከምዘንበረ ካብቲ ባንኪ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመላኽት።
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም 707 ነጥቢ 47 ቢልዮን ብር ሃፍቲ ብምእካብ፤ ሓፈሻዊ መጠን ተቐማጢ ገንዘቡ ካብ 2 ነጥቢ 4 ትሪልዮን ብር ንላዕሊ ከምዘብፅሐ ይዝከር።
ሃፍቲ ኣተኣኻኽባ ተግባሩ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ካብ ዝነበሮ ተቐማጢ ገንዘብ እንትነፃፀር 37 ሚእታዊ ሓለፋ ከምዘርአየ እቲ ባንኪ ምግላፁ ይዝከር።