ጉጅለ ልኡኽ ፌዴሬሽን ሩስያ ኣብ ሙዚየም ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሚካሂል ቦሮቭኮቭ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ፌዴሬሽን ሩስያ ኣብ ሙዚየም ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ዑደት ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኒውክሌር ዝጀመረቶ ጉዕዞን እቲ ዓውዲ ንሰላማዊ ልምዓትን ንምውዓል ዝሓንፀፀቶ ብሩህ ራኢ ዘርእዩ ምድላዋት ከምዝተዓዘበ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ 3ይ ጉባኤ ሩስያ-ኣፍሪካ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ምስ ሩስያ ብምትሕብባር መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ንምህናፅ ናብ ተግባራዊ መስርሕ ትሰጋገር ከምዘላ ምግላፆም ይዝከር።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ ኣማሓዳሪ ጉዳያት ኤምባሲ ሩስያ ሚካሂል ቦሮቭኮቭ፣ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሌክሲ ቼስኖኮቭ (ዶ/ር)ን ሳልሳይ ፀሓፊ ኣደል ጋሊኣክቤሮቭ (ዶ/ር)ን ተሳቲፎም።

Comments (0)
Add Comment