ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብዘይ ዘተኣማምን ኣህጉራዊን ዞባውን ሰላም ልምዓትን ዕብየትን ምርግጋፅ ኣይክኣን ኢሎም ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።
ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ቅድሚ ሕዚ ዝተኸተመ ክልተኣዊ ወታደራዊ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምብፃሕ ዝዓለመ ዘተ ኣካይደን።
ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሞዛምቢክ ጄኔራል ጁሊዮ ዶ ሳንቶስ ጄኔ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ላዕለዋይ ቤት መምርሒ ፌዴሪኢ እንትበፅሕ ብላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
ላዕለዎት ኣመራርሓ ወታደራት ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ዘተ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፤ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ታሪኻዊ ዝምድና ዘለወን ሃገራት ምዃነን ብምሕባር ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድና ኣብ መትከላት “ፓን-ኣፍሪካኒዝም”፣ ሓድነትን ፅንዓትን ዝተመስረተ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምስግጋር ምክኣሉ ዝገለፁ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነታዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ምሕያል ሰላምን ፀጥታን እቲ ዞባ ኣብ ምሕላው ረብሕኡ ዕዙዝ ምኳኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም፡፡