ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) 19 ነጥቢ 3 ሚሊየን ተኸታተልቲ ቲክቶክ ዘለዎ ተፅዕኖ ፈጣሪ ዝኾነ ዲላን ፔጅ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከብ።
ዲላን ፔጅ ኣብ ቲክቶክ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፅ ቅልጡፍ ዜናን ዝተፈላለየ ሓበሬታን ብምክፋል ዝፍለጥ እዩ።
ዲላን ንፈለማ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ሓጎሱ ዝገለፀ ኮይኑ ብፅባቐ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመሰጠ ኣብ ቲክቶክ ገፁ ኣብ ዘካፈሎ መልእኽቲ ገሊፁ።
ተንተንቲን ትሕዝቶ ሓበሬታን ብምቕራብ ዝፍለጥ ዲላን ብፋላይ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያውያን ዝረአ ዝነበረ ዓብዩ ሓጎስን ህዝባዊ ሓድነትን ብዝምልከት ሓበሬታታት ብምክፋል ይዝከር።
“ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ሰባት ዝቕይር ተስፋ ብርሃን ኣፍሪካ” ብዝብል ብዘቕረቦ ተንቀሳቓሲ ቪድዮ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ኣስተዋፅኦ ንዓለም ኣብ ምልላይ ዓብዩ ግደ ተፃዊቱ።
ዲላን ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ንምልላይ፣ ከምኡ እውን ዕውትነት ዲጂታል ዲፕሎማሲን ክውንነት ኢትዮጵያን ንማሕበረሰብ ዓለም ንምርኣይ ከም ዓብዪ ዕድል ዝረአ እዩ።
ዲላን ፔጅ ኣብ ፃንሒቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ዝርከቡ ናይ ቱሪዝም ቦታታት ብምኻድ ንዓለም ከካፍል እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
ብሚኪያስ ኣየለ