ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)10 ሺሕ ፍንጃል ቡን ዝስተየሉ ዘደንቕ ስነ ስርዓት ቡን ጣዓሙ ተዳልዩ።
ነቲ ስነ ስርዓት ምፍላሕ ቡን ንምድላው 100 ኪሎ ግራም ቡንን 10 ሺሕ ፈናጅልን ኣብ ኣገልግሎት ውዒሎም።
ብኢስት ኣፍሪካ ቢዝነስ ግሩፕ ኣብ ዝተዳለወ እዚ ስነ-ስርዓት ቡን ስተዩ፤ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ንምኽባር ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ቡን ክሰትዩ ከም ዝተዓደሙ ተገሊፁ።
200 ሊትሮ ዝሕዝ ጀበና ዝተዳለወ ኮይኑ፤ እቲ ረከቦት ኣብ ዙርያኡ 18 ሜትሮ ዝሽፍንን 1 ሜትሮን 80 ሳንቲሜትርን ቁመት ዘለዎን እዩ።
እዚ ስነ-ስርዓት፤ ቡን ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ዝዓለመ ምዃኑ እውን ተመልኪቱ።
10 ሺሕ ፍንጃል ቡን ከምዝተሰተየ ንምርግጋፅ ብሶፍትዌር ቆፀራ እናተኻየደ ይርከብ።
ብዙፋን ኣምባቸው