ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ተሳተፍቲ ኣብ ምምኽኻር ይርከቡ ኣለዉ።
ካብዞም ተሳተፍቲ ሓንቲ “ምንም እኳ መዓልቲ ምውላደይ ቀሪቡ እንተነበረ ‘ሃገረይ ፀዊዓትኒ እያ፤ ኣይቀርን’ ብምባል ካብ ክልል ጋምቤላ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዝመፀት መንእሰይ ክርኑዶ ኡጁሉ እያ።
ክርኑዶ ኡጁሉ ኣብ ከይዲ እቲ ጉባኤ እናተሳተፈት ከላ ኣብ ሆስፒታል ዘውዲቱ ብሰላም ወዲ ተገላጊላ።
ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበበ ኣብ ዝዓረፈትሉ ቦታ ብምኻድ “እንኳዕ ብሰላም ወለድኪ” ብምባል ሓጎሰን ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ገፀን ከም ዝፀሓፋኦ ፍቕሪ ሃገርን ስምዒት ሓላፍነትን እንትህሉ፣ ዘይከኣል ነገር ከም ዘየለ መርኣያ ዝኾነት እዛ ጀግና ኣደ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ወ/ሮ ኣለሚቱ ኡመድ ብምዃን ኣብ ትነብረሉ ቦታ በፂሐን “እንኳዕ ደስ በለኪ” ኢልናያ።
እዛ ጀግና ኣደ ድማ ነቲ ልሙድ ባህሊ ስም ብምግዳፍ ስም ውሉዳ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ክመርፀላ ሓቲታ ነይራ። በዚ መሰረት ድማ ንህፃኑ “ምኽክር” ዝብል ስም ተዋሂብዎ ክብላ ገሊፀን።