ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንዘበናት ዝፀንሑ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ክፍተታት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ታሪኻ ልዑል ዝኾነ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ እናወገነት ትርከብ።
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣጀንዳታት እናተኣኻኸበ ዝፀንሐ እንትኸውን፤ ሕዚ ህዝቢ ብናፅነት ንኽዛተን ኣብ ሓበራዊ ዕጫኡ ንኽውስንን እናገበረ ይርከብ።
ኣብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዝበፅሐ እዚ ጉዕዞ ካብ ፅባሕ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ንኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ታሪኻዊ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ከካይድ ኢዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ሰሙናት ዝፀንሕ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ንምስታፍ ካብ መላእ ክፋል እታ ሃገር፣ ካብ ትካላት ፌዴራል፣ ፓርቲታት ፖለቲካን ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 4 ሺሕ ተዛተይቲ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምእታው ይርከቡ።
እቲ ኮሚሽን ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኩሎም ብዛእባ እቲ ዘተ ስነ ምግባር፣ ስርዓትን ደምቢ ኣሰራርሓን ቅድመ ምኽክርን ገለፃ መውሃቢ ግንዛበ ገይሩ፡፡
ናይዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ቀንዲ ሸቶ ተዓዋቲን ተሰዓሪን ዝርከበሉ ዝፀንሐ ባህሊ ፖለቲካ ብምልዋጥ፤ ኩሉ ብሓባር ዝዕወተሉ ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ።
ተዛተይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዘላቒ ሰላም፣ ዴሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ህንፀት ሃገርን ሓዊሱ ዝቐረቡ ቀንዲ ዓምዲታት ኣጀንዳ ብጥንቃቐ ብምምርማር ሓበራዊ መፍትሒታት ከቐምጡ ኢዮም።
ፅባሕ ዝጅምር ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ፤ ኢትዮጵያ ካብ ዘለቶ ዝተሓላለኸ ፀገም ብምውፃእ ናብ ዝሐሸ ሓድነትን ማሕበራዊ ምትእምማንን እትሻገረሉ ወሳኒ ናይ ታሪኸ ድልድል ኢዩ።
እቲ ጉባኤ ዘተ ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን ቀፃሊ ሓራዊ ዕጫ ዝውሰነሉ ብምዃኑ፤ ኩሉ ወገን ብዝተረጋገአ መንፈስ ምዝታይን ርብርብን ይሓትት።
ብሶስና ኣለማየሁ