ነገሌ ኣርሲ ንወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 30 ሰሙን ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ነገሌ ኣርሲ ንወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ 2 ን 1 ስዒራ፡፡

ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ፤ ነገሌ ኣርሲ ዝተዓወተትን ሸቶታት ገብረመስቀል ዱባለን ኪቲካ ጀማልን ኣመዝጊቦምወን፡፡

ንወልዋሎ ዩኒቨርሲቲን ዓዲግራት ካብ ስዕረት ዘየድሐነት ብሕታዊት ሸቶ ስምኦን ማሩ ኣመዝጊቡዋ፡፡

ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት ኢትዮጵያ መድን ንሲዳማ ቡና 1 ን 0 ከምኡ እውን ባህርዳር ከተማ ንፋሲል ከነማ 2 ን 0 ስዒረን።

Comments (0)
Add Comment