ናብራ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምምሕያሽ ብትኹረት ክስራሕ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝቕፅል ምዕራፍ ንነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብራኦም ንምምሕያሽ ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

እተን ከንቲባ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኮይነን ዳግም ምሻመን ኣመልኪተን መደረ ኣስሚዐን።

ኣብ መደረአን ድማ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባን ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ነታ ከተማ ከንቲባ ኮይነን ንኽመርሓ ዳግም ዕድል ስለዝሃቡወን ምስጋና ኣቕሪበን።

7ይ ሓፈሻዊ መረፃ መላእ ኢትዮጵያውያን ከምኡ እውን ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ብሰፊሑ ዝተሳተፉሉ እዋን ከምዝነበረን ነበርቲ ድማ ንህንፀት ዲሞክራሲ ኢሉ እውን ንዘላቒ ሰላምን ዕቤትን ዘለዎም ድሌት ዘርኣዩሉ ከምዝነበረን ገሊፀን።

ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ምህላው ፀላእነት ኣይኮነን ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ኣብቲ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ሓደሽቲ ኣባላትን ተናሓናሕቲ ፓርቲታትን ምእታዎም ኣልዒለን።

ከንቲባ ኣዳነች ንኹሎም ነበርቲ እታ ከተማ ብማዕረ ክነገልግል ኢና ክብላ ኣፅንኦት ሂበን።

ኣብ ዝቕፅል ምዕራፍ ምኽባር ናብራን ዝቕባበ ዋጋን ብምንካይ ኩነታት ናብራ ነበርቲ እታ ከተማ ንምምሕያሽ ብትኹረት ከምዝስራሕ ኣረጋጊፀን።

ዜጋታት ብኽብሪ ዘገልግል ትካል ምህናፅ፣ ስልጣን ንመኻዕበቲ ውልቃዊ ረብሓ ከይከውን ምግባር፣ ቅልጡፍን ዘበናውን ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ፣ ከምኡ እውን ግዕዝይና ዝፅየፍ ኣሰራርሓን ሕብረተሰብን ምህናፅ ቀፀልቲ ኣንፈታት ትኹረት ከምዝኾኑ ኣመልኪተን።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment