ናይ ህንፃ እታወታት ጠለብ ውሽጢ ሃገር ብምምላእ ንዕዳጋ ወፃኢ እውን ይቐርቡ ኣለዉ

ኢትዮጵያ እናጋጠሙዋ ዝነበሩ ማክሮኢኮኖሚያዊ፣ መዋቕራዊን ዘፈር ብዙሕ ብድሆታትን ብዘላቐነት ንምፍታሕን ዘፈር ውልቀ ቀንዲ ሞተር ኢኮኖሚ ንክኸውን ንምግባርን ካብ እዋን ለውጢ ንደሓር ዓቢይ ፖሊሲ ብምሕንፃፅ ክትንቀሳቐስ ፀኒሓ እያ።

እታ ሃገር ኣብ ዝሓንፀፀቶ ናይ ውሽጢ ሃገር ተበግሶ ዝገበረ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ትኹረት ካብ ዝሃበቶም ዘፈራት ሓደ ድማ ዘፈር ህንፃ ምንቕቓሕን ምዘማንን እዩ።

በዚ ድማ መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ብዘዳለዎ ምቹው ናይ ፖሊሲ ከባቢ ምኽንያት፣ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ጥራሕ ኣብ ዓውዲ ህንፀት ዝበረታትዑ ለውጢታት እናተመዝገቡ ይርከቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ እታወታት ህንፀት ዘፍርዩ ናይ ውሽጢ ሃገር ፋብሪካታትን ትካላትን ንምትብባዕ ብዙሓት መዋቕራዊ፣ ፋይናንሳዊን ናይ ፖሊሲን ምምሕያሻት ተኻይዶም እዮም።

በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ዕድጊት መንግስቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ኣፍረይቲ ናውቲ ኮንስትራክሽን ቀዳምነት ንክረኽቡ ዝድግፉ መምርሒታት ተሓንፂፆም ኣብ ተግባር ይውዕሉ ኣለዉ።

እዚ ድማ መንግስቲ ዓበይቲ ህንፀታት መሰረተ ልምዓት መንበሪ ኣባይቲን ናይ ውሽጢ ሃገር ሲሚንቶ፣ መስትያት፣ ሓፂን፣ ሴራሚክስን ካልኦት ተመሳሰልቲ እታወታትን ንኽጥቀሙ ይግደዱ።

ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ናይ ህንፃ ፍርያት ብናይ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ዘኽእል ሃገራዊ ስትራቴጂ ተሓንፂፁ ናብ ስራሕ ኣትዩ እዩ። እዚ ድማ ኣፍረይቲ ውሽጢ ሃገር ሰፊሕ ዕድል ዕዳጋ ዘክረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ።

ንመፍረዪ ኣቑሑት ህንፀት ዘድልዩ ጥረ ኣቕሑን ማሽነሪታትን ካብ ወፃኢ ሃገር ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን፤ ካብ ቀረፅ ናፃ ወይ ድማ ብትሑት ቀረፅ ንኽኣትዉ ይግበር ኣሎ።

ብኣንፃሩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብእኹል መጠን ዝፈርዩ ኣቕሑት ካብ ወፃኢ ከይኣትዉ ናይ ጉምሩክ ታሪፍ ተግባራዊ ተገይሩሎም እዩ።

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያን ካልኦት ትካላት ፋይናንስን ንዓውዲ ኮንስትራክሽን ማኑፋክቸሪንግ (ንፋብሪካታት ሲሚንቶ፣ ሓፂነ መፂንን ሴራሚክስን) ቀዳምነት ብምሃብ ነዊሕ ግዜ ዝወስዱን ትሑት ወለድ ዘለዎምን ልቓሓት ንኸቕርቡ ተገይሩ እዩ።

ንኣፍረይቲ ውሽጢ ሃገር ንመዛዘሚ ህንፀት ዝውዕሉ ኣቑሑት (መስትያት፣ ሴራሚክስን ማርብልን) ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ናይ መሬት፣ ሓይሊ (መብራህቲ)ን ማይን ብውሑድ ዋጋ ክረኽቡ ይግበር ኣሎ።

ብፍላይ ልዑል ድሌት ሓይሊ ዘለዎም ፋብሪካታት ሲሚንቶን ሓፂነ መፂንን ኣብ ከይዲ እዋን ምፍራይ ምቁራፅ ኤሌክትሪክ ከየጋጥሞም ፍሉያት መስመራትን ቀዳምነትን ንኽወሃቦም ተሰሪሑ እዩ።

ኤጀንሲ ደረጃታት ኢትዮጵያ ፍርያታት ውሽጢ ሃገር ዓለም ለኸ መዐቀኒታት ፅሬት ንኸማልኡ ብዝሰርሖ ስራሕ፤ ናይ ቴክኒክ ድጋፍን ምስክር ወረቐት ምሃብን ስርዓት ተተግቢሩ እዩ።

እዚ ድማ እቶም ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ንኽለኣኹን ናይ ወፃኢ ሸርፊ ንኸምፅኡን ዕድል ከፊቱ እዩ።

ብሓፈሻ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ዓመታት ብመንግስቲ መደመር ኣብ ዓውዲ ህንፀት ዝተሰርሑን ዝተመዝገቡን ዓወታት እታ ሃገር ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ጠጠው ንኽትብል ዝገበሩ ኮይኖም እዮም።

እዚ ድማ ንኣፍረይቲ ውሽጢ ሃገር ብምትብባዕ ፅዕንቶ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ምንካይ ሓሊፉ፣ ዜጋታት ብዕድላት ስራሕ ተጠቀምቲ ንኽኾኑ ኣረጋጊፁ እዩ።

Comments (0)
Add Comment