ናይ ሓደ ሰብ ድምፂ ዋጋ ስለዘለዎ ኣብቲ ዕለት ንምምራፅ ተሰናዲእና ኢና

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ሓደ ሰብ ድምፂ ዋጋ ስለዘለዎ ኣብቲ ዕለት ንምምራፅ ተሰናዲእና ኢና ኢሎም ነበርቲ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ቦዲቲ።

እቶም ነበርቲ ጉዳይ መረፃ ሓበራዊ ሓላፍነት ኩሎም ዜጋታት ስለዝኾነ ንምምራፅ ካርዲ ወሲድና ነታ ዕለት ንፅበ ኣለና ኢሎም፡፡

ኣብ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ናይ ሓደ ሰብ ድምፂ ዋጋ ስለዘለዎ ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ዝካየድ ሓፈሻዊ መረፃ ብምምራፅ ሃገራዊ ሓላፍነትና ንምውፃእ ከምዝተሰናድኡ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ቀፃሊ ሰኑይ ዝካየድ እንትኸውን÷ ኣድለይቲ ናውቲ መረፃ ናብ ጣቢያታት መረፃ እናተጓዓዓዘ ይርከብ፡፡

Comments (0)
Add Comment