ናይ ኢትዮጵያ ቡን ብብርኪ ዓለም ሓዱሽ ክብረወሰን ዋጋ ኣመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣5 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ስፔሻሊቲ ቡና ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዘለዎ ልዑል ተደላይነት ዘረጋግፅ ሓዱሽ ታሪኻዊ ክብረወሰን ዋጋ ኣመዝጊቡ ኢሉ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ።

ሓደ ኪሎ ግራም ቡን ጉጂ ብ2 ሺሕን 376 ዶላር (ብናይ ሕዚ ሸርፊ ኣስታት 380 ሺሕ ብር) ብምሻጥ ኣብ ታሪኽ ቡን ሃገርና ዝለዓለ ዋጋ ከም ዝተመዝገበ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ።

ክብረወሰን ብዝኾነ ዋጋ ዝተሸጠ ቡን ዋና ትካል ቴስቲ ኮፊ ኣይተ ፈይሰል ኣብዱሽ “ፈይሰል ኣብዱሽ ሲግኔቸር” ብዝብል ፍሉይ ስያመ ኣብ ኢንተርኔት ብዝተኻየደ ጨረታ ስፔሻሊቲ ቡን ንዓለም ለኸ ዕዳጋ ዘቕረብዎ ምዃኑ ተመልኪቱ።

መቐመጢኦም ኣብ ኢንግሊዝን ኣሜሪካን ዝገበሩ ፍሉጥ “ኤም ካልቲቮ” ማእኸል ጨረታ ኢንተርነት ኣቢሉ ዝተኻየደ ጨረታ መሸጣ፤ ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ዘለዎ ፅሬትን ተደላይነትን ዕዳጋን ብሓዱሽ መልክዑ ዘረጋገፀ ኮይኑ።

እዚ ድማ ናይ ስፔሻሊቲ ቡን ሃገርና መብፅሒ ዕዳጋ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስፋሕ ልዑል መገዲ ዝኸፍት ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ።

Comments (0)
Add Comment