ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንደላዪ ሰላም ህዝቢ ቦረናን ጉጂን ንደንጒ እምበር በፂሕናሉ ኢና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝበሉ ሎሚ መዓልቲ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ነገሌ ቦረና ገዳ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ምስገበሩ ኢዩ፡፡
ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ቦረና መንነትን ባህሊን ኦሮሞ ሓሊዩ ዘፅነሐ ከምኡ እውን ምስ ህዚቢታት ጉጂን ባሌ ኦሮሞቶት እናተሓበረ ዝነበረ ዓብዪ ህዝቢ ኢዩ ኢሎም፡፡
ቦረና ካብ ኣዲስ ኣበባ ብብዙሕ ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ መዕርፎ ነፈርቲ ነገሌ ቦረና ገዳ ምህናፁ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዕቤት ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መበል 24 መብፅሒ ውሽጢ ሃገር ዝኾነን ሓዱሽን መዕርፎ ነፈርቲ ነገሌ ቦረና ገዳ ሃኒፁ ብምዝዛሙ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
ንደንጒ እምበር ንህዝቢ ቦረናን ጉጂን በፂሕናሉ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ልምዓት ንኽረጋገፅ ደላዪ ሰላም ህዝቢ ጉጂ ብምትሕብባር ንኽሰርሕ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ