ንመበል 12 ጣና ፎረም ኣህጉራዊ መድረኽ ፀጥታ እኹል ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝካየድ መበል 12 ጣና ፎረም ኣህጉራዊ መድረኽ ፀጥታ ብዓወት ንምእንጋድ እኹል ምድላው ተገይሩ ኢሉ ቢሮ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣባይ መንግስቴ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝገለፅዎ መበል 12 ጣና ፎረም ካብ 13 ክሳብ 15 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ክካየድ እዩ።

እቲ መድረኽ “ኣፍሪካ ናብ ሰላም ዝወስዱ መንገድታት፤ ቁጠባዊ ሉኣላውነትን ዞባዊ ፖለቲካዊ ስግግርን” ብዝብል መሪሕ ሐሳብ ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዘለዉ ህፁፃት ጉዳያት ሰላም፣ ፀጥታን ዞባዊ ፖለቲካን ከምዝዝቲ ሓቢሮም፡፡

እቲ ፎረም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መራሕቲን ምሁራንን ብምእካብ ፀገማት ኣፍሪካን ድሌት ልምዓታን ብኣፍሪካውያን ባዕሎም ንምፍታሕ ዘኽእሉ ቁልፊ ናይ ፖሊሲ ሓሳባት ብምፍላቕ ልዑል ግደ እናበርከተ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

ጣና ፎረም ኢትዮጵያ ንናፅነት፣ ሓድነት፣ ዕቤትን ልምዓትን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ብዘይምቁራፅ ከምእትሰርሕ መርኣያ እዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፣ ኢትዮጵያ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ብብቕዓት ክተአንግድ ከምእትኽእል ዘረጋግፅ ምዃኑ ገሊፆም።

መንግስቲ እቲ ክልል ነቲ ፍፃመ ንምእንጋድ እኹል ምድላው ከምዝገበረ ብምግላፅ፣ ሕብረተሰብ ባህር ዳርን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ንኣጋይሽ ብኢትዮጵያዊ ኣቀባብላ ክቕበሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

#ኢትዮጵያ #ትልቅሀገር #ትልቅሕዝብ #ታላቅርዕይ

ብደሳለኝ ቢራራ

 

Comments (0)
Add Comment