ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍኤምሲ)ምሕደራ ዕዳ ካብ ቴክኒካዊ ተግባር ሓሊፉ ንምርግጋእ ማክሮኢኮኖሚ፣ ንስትራቴጂ ልምዓትን ፖሊሲ ተኣማናይነትን ወሳኒ ግደ ኣለዎ አሊን ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ 2ይ ፎረም ፋይናንስ ሉኣላዊ ኣፍሪካ እተን ሚኒስትር ዴኤታ ከምዝበለኦ÷ ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብተደራራቢ ዓለም ለኸ ፅዕንቶታት ምኽንያት ንልዑል ስግኣት ፋይናንስ ተቓሊዓ።
ብፍላይ ድማ ኣህጉራዊ ክዙን ሸርፊ ወፃኢ ብመንፅር ሓፈሻዊ ዕዳ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ ካብ ዝነበሮ 44 ሚኢታዊ ኣብ 2024 ናብ 28 ሚኢታዊ ንኽወርድ ሃገራት ግቡአን ናይ ምውፃእ ዓቕመን እናፈተነ ከምዝርከብ ኣመልኪተን።
ኢትዮጵያ እዞም ማሕለኻታት ንምምካት ንኩሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ መመሓየሺ ኢኮኖሚ እናተግበረት ከምዝኾነት ኣብሪሀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ዝመርሖ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ተግባራዊ ከምዝተገበረ፣ ፖሊሲ ገንዘብን ኣተኣኻኽባ እቶት ውሽጢ ሃገር ከምዝጠናኸረ፣ ኣብ መዳይ ምሕደራ ዕዳ ግልፅነት ከምዝፈጠረ ሓቢረን፡፡
በዞም ስጉምቲታት ሪፎርም ኣቢሉ ዝቕባበ ዋጋ እናነከየ፣ ንግዲ ወፃኢን ክዙን ሸርፊ ወፃኢን እናገበረ ከምኡ እውን ዕቤት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ብጥንኩር ኩነታት እናቐፀለ ከምዝርከብ ኣብሪሀን።
ብመሳፍንት ብርሌ