ንኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ዝገብሩ ተግባራት ክጠናኸሩ እዮም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ክትከውን ዘኽእሉ ተግባራት ብምጥንኻር ክንቕፅል ኢና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ማእኸል መስፋሕፍሒ ማእኸል ሎጂስቲክስ ሞጆ መሪቖም ብዕሊ ስራሕ ኣጀሚሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ንኽትከውን ዘኽእሉ ተግባራት ኣጠነናኺርና ክንቕፅል ኢና ኢሎም።

ዕቤትን ልምዓትን ኢትዮጵያ ንምዕጋት ዝፍትኑ ሓይልታት ምስዘይኽእሉ ጎቦ እናተቓለሱ ከምዝርከቡ ብተግባር ከነርእዮም ኢና ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ዝተመዝገቡ ብዙሓት ዓወታት ንፅባሕ ኢትዮጵያ መሰረት ዘንብሩ ምዃኖም እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ሻውዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዜጋታት ድምፆም ብምሃብ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝመርሖም መንግስቲ ዝመረፁሉ፣ ካብ ብሄራትን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ዝተውፃእፁ 4 ሺሕ ዜጋታት ብሓባር ተመያይጦምን ዘትዮምን መፃኢ ግዜ ኢትዮጵያ ዝወሰኑሉ፣ ከምኡ’ውን 8 ነጥቢ 2 ቢልዮን ፈልሲ ብምትካል ሓፈሻዊ ቁፅሪ ፈልሲ ናብ 56 ቢልዮን ክበፅሕ ዝተኽኣለሉ ዓመት ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

እዞም ዝተዋሃሃዱ ዓወታት ናይ ምዕዋትን ምፍፃምን ውፅኢታት ተኣሳሲሮም ኢትዮጵያ ልዕሊ 10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕቤት ክተመዝግብ ኣኽኢሎማ እዮም ኢሎም።

ሎጂስቲክስ ምስ ትራንስፖርት፣ ወደብ፣ መሰረተ ልምዓት ባቡር ንሓረስቶት ክሳብ ዝበፅሕ ዘሎ ምትእስሳር ዝሓዘ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንዕቤት ኢትዮጵያ ዘለዎ ግደ ዕዙዝ እዩ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment