ንኣዲስ ኣበባ ብሩባታታ ከም ስማ …

ናይ ከተማ ሩባታት ናይ ሓንቲ ከተማ ህይወት መስመር፣ ናይ ተፈጥሮ ሳንባን መግለፂ ፅባቐን ኢዮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ከተማታት ዝተመስረታን ዝዓበያን ኣብ ተፋሰስ ሩባታት ይኹና እምበር፣ ብምውሳኽ ቁፅሪ ህዝቢን ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪን ምኽንያት ሓለዋ ስለዘይግበረለን ልዑል ፅዕንቶ ብኽለት የጋጥመን።

ሩባታት ብተፈጥሮኣዊ ኩነታተን ፅሩያትን ህይወት ዘለዎምን ኢዮም፡፡ ዝተበከሉ ናይ ከተማ ሩባታት ድማ ስነ-ምህዳር ሓንቲ ከተማ ዘበላሹ፣ ጥዕና ነበርቲ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑን ምስሊ እታ ከተማ ዘጥፍኡን ይኾኑ፡፡

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንሸገር ኣብ ምውቃብ ፕሮጀክት ትኹረት ካብ ዝሃቦም ዓውዲታት ሓደ ልምዓት ወሰን ሩባታት ኢዩ፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓፈሻ 56 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ፕሮጀክት ልምዓት ወሰን ሩባታት ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ተኸፋፊሉ እናተተግበረ እንትኸውን፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክሳብ 49 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ሸሞንተ ሩባታት እናተወገነ ይርከብ።

  1. ካብ እንጦጦ – ቀጨኔ መድሃኔ ኣለም፤
  2. መስመር እንጦጦ – ፒኮክ፤
  3. መስመር ሩባታት ቀበናን ግንፍሌን
  4. ሩባ ቁርጡሚ

እዚ ልምዓት ወሰን ሩባ 2.2 ኪሎ ሜትሮ ዝነውሕ እንትኸውን ነታ ከተማ ሓዱሽ ማእኸል ቱሪስትን መዘናግዒን ኮይኑ ለሚዑ ኣሎ።

ሸውዓተ ሄክታር ሓምለዋይ ስፍራ፣ ሓሙሽተ ኣምፊቲያትራት (ናይ ኪነ-ጥበብ መድረኻት)፣ ናይ ቆልዑት መፃወቲታትን ክሳብ 500 መኻይን ክሕዝ ዝኽእል በዓል 3 ደብሪ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሰርሐ መቖሚ መኪና (ንናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርቱ መምልኢ ዘለዎ) ተኻቲቱ።

ብሓፈሻ ኣብ ልምዓት ወሰን ሩባታት ኣብ የማንን ፀጋምን እቶም ሩባታት ካብ 30 ክሳብ 50 ሜትሮ ዝበፅሑ ቦታታት ወሰን ሩባ ናብ ሓምለዋይ ኮሪደር ተቐይሮም ኢዮም።

እዞም ስራሕቲ ንኣዲስ ኣበባ ንነበርታ ምችውቲ ካብ ምግባሩ ንላዕሊ ዓለም ለኸ መስሕብ ቱሪስት ክትከውን ክብ ክብል ገይሩ ኢዩ፡፡

ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ መዳይ ብዝሰራሕናዮም ስራሕቲ ልምዓት ኣባል ‘ብሪዝ ሲቲስ’ (Breathe Cities) ኮይና ተመሪፃ ኣላ፡፡

ኣዲስ ኣበባ ናብ ፕሮግራም ‘ብሪዝ ሲቲስ’ ምፅምባራ ኣብታ ከተማ ፅሬት ኣየር ንምምሕያሽ ዝውገን ስራሕ ብዝበለፀ የጠናኽሮ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ፕሮግራም ‘ብሪዝ ሲቲስ’ ካብ ዝተፀምበራ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ማድሪድን ብተወሳኺ ከተማታት ኣክራ፣ ባንኮክ፣ ቦጎታ፣ ብራስልስ፣ ጃካርታ፣ ጆሃንስበርግ፣ ለንደን፣ ሜክሲኮ ሲቲ፣ ሚላን፣ ናይሮቢ፣ ፓሪስ፣ ሪዮ ዲ ጄኔሮ፣ ሶፊያን ዋርሶ ይርከበኦም።

ንዑ፤ ሃገር ንስራሕ!

Comments (0)
Add Comment