ንዞባዊ ፀገማት ብቕልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ድልዱል ትካል ተሃኒፁ – ጄነራል ይመር መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓለም ለኸ ተለዋዋጢነት ባህሪ ኩናት ብምርዳእ ንህልው ዞባዊ ፀገማት ብቕልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ዘኽእል ጥንኹር ትካል ተሃኒፁ ኢሎም ዋና ሓላፊ መምርሒ ክፍሊ ትምህርቲን ስልጠናን ምክልኻል ጄነራል ይመር መኮነን።
ዓመታዊ ጉባኤ ሃገራዊ ድሕነት ኮሌጅ ሃገራዊ ምክልካል ኮንፈረንስ ኢትዮጵያ ሎሚ ተሳሊጡ።
ጄነራል ይመር ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ እናተሓላለኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ፀጥታ ብዙሕ ዘይግመት ፀገማት የስዕብ ኣሎ።
ድሕንነት ሓንቲ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ክረጋገፅ ዝኽእል ዞባውን ኣህጉራውን ስግኣታት ኣብ ግምት ዘእተወ መፍትሒ ክምዕብል ምስ ዝኽእል ጥራይ ምዃኑን ብኮሌጅ ምክልኻል ሃገር በብእዋኑ ዝዳሎ ዘተ ብላዕለዋይ ኣካል ውሳነ ንኽወሃቦ ምቹው እዩ ኢሎም።
ነቲ ዝረአ ዘሎ ደበና ኲናት ንምእላይን ሃገራዊ ረብሓታት ንምሕላውን ውሽጣዊ ፀገማት ምፍታሕን ኣብ ግዳማዊ ተቓላዕነት ምትኳርን ከምዘድሊ ኣረዲኦም።
Comments (0)
Add Comment