ንግዲ ካርቦን ኢትዮጵያ – ንሓለዋ ተፈጥሮ ዝወሃብ ሽልማት

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ለውጢ ንብረት ኣየር ንዓለም ኣብ ዘሻቕለሉ ዘሎ እዚ 21 ክፍለ ዘመን፣ ኢትዮጵያ ተፈጥሮ ብምሕላው ምንጭታት ፋይናንስ ኣየር ንብረት ንምስፋሕ ዘኽእላ ሓድሽ ዕድል ፈጢራ ኣላ፤ እዚ ድማ ንግዲ ካርቦን እዩ።

ንግዲ ካርቦን ማለት ብሰንኪ ለውጢ ኣየር ንብረት ናብ ኣየር ዝልቀቑ፣ ብፍላይ ከም ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዝኣመሰሉ በከልቲ ጋዛት ብምጉዳል ወይ ብምውጋድ ዝርከብ መጠን ልቀት፣ ከም ሓደ ናይ ንግዲ ፍርያት ብምቑፃር ዝካየድ ኣገባብ ምልውዋጥ እዩ።

ንግዲ ካርቦን ሓለዋ ተፈጥሮ ናብ ዘላቒ ምንጪ ፋይናንስ ብምቕያር ንምዕባለ ከባቢን ሕብረተሰብን ሰፊሕ ዕድላት ንምፍጣር ዘኽእል እዩ።

ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ገረብ ኢትዮጵያ ኣይተ ከበደ ይማም ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኻዊ ደረጃ ደኒ ብምሕላው ክፍሊት ንግዲ ካርቦን ካብ ዝረኽባ ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ይገልፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ካርቦን ዘለዋ ተወዳዳርነት ንምዕባይ ትካላዊ ኣሰራርሓን ሕጋዊ ማዕቀፋትን ኣዳልያ እያ። በዚ መሰረት ዕዳጋ ካርቦን ዝቆፃፀር ኣዋጅ ቁፅሪ 1436/2018፣ ሰነ 2018 ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣፅዲቓ እያ።

እቲ ኣዋጅ ሃገርና ኣብ ዓለም ለኻዊ ዕዳጋ ካርቦን ንኽትሳተፍን ኢንቨስትመንት ንኽትስሕብን ዝሕግዝ እዩ።

ካልእ ሕጋዊ ማዕቀፍ ድማ ብቀደም ሚኒስቴር ትልምን ልምዓትን ዝተዳለወ ሃገራዊ ማዕቀፍ ካርቦን (2025–2035) እዩ። እዚ ማዕቀፍ ብመሰረት ስምምዕ ኣየር ንብረት ፓሪስ ንግዲ ካርቦን ዝምራሓሉ ኣንፈትን መምርሕን ዝሕብር እዩ።

ኣብ ታሕሳስ 2018 ወግዓዊ ዝኾነ መምርሒ ንግዲ ካርቦን ደን፣ ሕብረተሰብ፣ ባለሃፍትን ክልላትን ብልምዓት ደን ዘፍረይዎ ክሬዲት ካርቦን ብሕጋዊ መንገዲ ክሸጡ ዘኽእል ኣሰራርሓ ዝፈጠረ እዩ።

ኣብ ኣፍሪካን ዓለም ለኻዊ ደረጃን ኣብ ተፈጥሮ ዝተመስረቱ ልዑል ጥራት ዘለዎም ክሬዲታት ካርቦን ዘሎ ድሌት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ምምፅኡ፣ ንሃገርና ዓብዩ ዕድል ከፊቱላ ኣሎ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓቢዩህዝቢ #ዓቢዩራኢ

ብቴዎድሮስ ሳህለ

Comments (0)
Add Comment