ኡሁሩ ኬንያታ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕዋት ኣመልኪቶም ምስ ዲፕሎማሰኛታት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መራሒ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካን ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያን ኡሁሩ ኬንያታ መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝገበሩ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ብዋናነት ትኹረቱ ዝገበረ ኣብ ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ መረፃ ምድላውን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኢዩ።

ኮሚሽን ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ ብዘውፀኦ ሓበሬታ መሰረት፤ ፕሬዚዳንት ኬንያታ ካብ 37 ሃራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ 73 ናይ ሓፂር ግዘ ተዓዘብቲ ዝሓቖፈ ጥንኩርን ነቲ ስብጥር ዝሰፍሐ ጉጅለ እናመርሑን ይርከቡ።

እ ጉጅለ ተዓዛቢ ልዑል ልምዲ ዘለዎም ሰብ ሞያ መረፃ፣ ተካታዕቲ ሰብኣዊ መሰልን ፍሉጣት መራሕቲ ሲቪል ማሕበረሰብን ኣካቲቱ።

እቲ ልኡኽ ብመንግስቲን ቦርድ ብሄራዊ መረፃን ዝተወገኑ ናይ መወዳእታ ምድላዋት ከምዝገምገመ ተፈሊጡ።

ልዕሊ 54 ሚሊዮን መረፅቲ ድምፂ ንመሃብ ኣብ ዝተመዝገቡሉ ከይዲ ናይዚ ሓፈሻዊ መረፃ ንዴሞክራሲያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ወሳኒ ምዕራፍ ተገይሩ ተወሲዱ።

እዚ ንኢትዮጵያውያን ብሄራዊ ረብሓን ጉዳይ ሉኣላዊነትን ዝኾነ መረፃ፤ ህዝቢ ዲሞክራሲያዊ መሰሉ ብምጥቃም ሉኣላዊነቱ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘርእየሉ ኣጋጣሚ ከምዝኸውን ትፅቢት ይግበር።

ነቲ መረፃ ምድለዋት ሎጂስቲክስን ፀፅታን ከምዝተዛዘሙ ኣረጋጊፁ።

#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያክትመርፅኢያ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል

#Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision

Comments (0)
Add Comment