ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ኣብ ወታደራዊ ኢንዱስትሪን ቴክኖሎጂን ዘለወን ምትሕብባር ንምዕባይ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ኣብ ወታደራዊ ኢንዱስትሪን ቴክኖሎጂን ዘለወን ምትሕብባር ንምዕባይ ተስማዕሚዐን።

ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ሪፐብሊክ ላይቤሪያ ብርጋዲየር ጄኔራል ጄራልዲን ጃኔት ጆርጅ ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራዊ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምስግጋር ኣብ ዝከኣለሎም ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ኣልዒሎም።

ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ተምሳሌት ናፅነት ከምዝኾና ብምሕባር÷ እዚ ምትእስሳር ታሪኽ ሕዚ ንዘሎ ወታደራዊ ምትሕብባር ጥንኩር መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ወታደራዊ ኢንዱስትሪን ህንፀት ዓቕሚን ብሓባር ንምስራሕ ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፀን፡፡

ብርጋዲየር ጄኔራል ጄራልዲን ጃኔት ጆርጅ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ምውፋር ምኽባር ሰላም ሓዊሱ ኣብ ወታደራዊ ሳይንስን ዘበናዊ ህንፀት ምክልኻልን ዘደንፈዐቶ ተሞክሮ ንላይቤሪያ ልዑል ትምህርቲ ዝህብ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ብፍላይ ኣብ ዓውዲታት ስልጠናን ቴክኒክን ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምዕባይ ከምዝሰርሑ ምግላፆም ኦንላይን ሚዲያ ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment