ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብን ኣብ ዘፈር ባንኪን ፋይናንስን ዘለወን ክልተኣዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምዕባይን ንምጥንኻርን ዘለወን ቆራፅነት ኣረጋጊፀን።
ክልቲአን ሃገራት ናብዚ ስምምዕነት ዝበፅሓ ኣብ ታይላንድ ባንኮክ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ጎድና ጎድኒ ኣብ ዝተኻየደ ክልተኣዊ ዘተ እዩ።
ኣብቲ ኣኼባ ንዝተሳተፈ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ምስ ኣመሓዳሪ ማእኸል ባንኪ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ካሊድ መሓመድ ባላማ ተዛቲዮም።
ኣብቲ እዋን ዘተ ስርዓታት ፋይናንስ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምቕርራብ ተሞኩሮ ንምልውዋጥን ኣብ ዘፈር ባንኪን ፋይናንስን ዘሎ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ቁልፊ ጉዳያት ዕዉት ሓሳብ ተለዋዊጦም፡፡