ኢትዮጵያን ብሪክስን – ዓወት ዲፕሎማሲ ንግዲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል እኩብ ብሪክስ ምዃና ኣብ ዓለም ለኸ ኢኮኖሚን ዲፕሎማሲን መድረኻት ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ኮይኑ ይርከብ።

ብፍላይ ኢትዮጵያ ንዓሰርተታት ዓመታት ክትከታተሎ ዝፀንሐት መስርሕ ኣባልነት ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ንምዕዋት ካብቲ እኩብ ልዑል ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ድጋፍ ረኺባ እያ።

ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ጉባኤ ብሪክስ ኣብ ዓለም ለኸ ንግዲ ዓብዪ ፅዕንቶ ዘለወን ቻይና፣ ህንዲን ሩስያን ሓዊሱ ኣባል ሃገራት እቲ እኩብ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ንምፅንባር እትከተሎ ዘላ መስርሕ ብምሉእ ድምፂ ደጊፈንኦ።

እዚ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ዘለዋ ተሰማዕነትን ዓቕሚ ድርድርን ኢትዮጵያ ብልዑል መጠን የዕብዮ፤ ከምኡ እውን ንዓመታት ዝተጓዕዘቶ ነዊሕ መስርሕ ድርድር ንምሕፃርን ንምቅልጣፍን ዝሕግዝ እዩ።

ኣባልነት ብሪክስ ኢትዮጵያ ምስ ነባር ኣባል ሃገራት ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ እትገብሮም ክልተኣዊ ድርድራት ዕድል ዕዳጋን ታሪፍን ድልድል ምትሕብባር ፈጢሩላ።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ሕግታት ንግዲ፣ ኣሰራርሓ ታሪፍን ስርዓታት ፋይናንስን ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ኣሰራርሓ ንምስማዕ ዘኽእሉ ልውውጥ ተሞክሮን ቴክኒካዊ ደገፍን እናገበራ ይርከባ።

እዚ ትካላዊ ዓቕሚ ናይ ምጥንኻር ስራሕ ኢትዮጵያ ሕግታትን ደንብታትን ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ከምኡ እውን ስምምዓት ንግዲ ብብቕዓት ንኽተማልእ ዝሕግዝ ኮይኑ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየዱ ኢኮኖሚያዊን ናይ ንግዲን ማሻሻያታት ብዓወት ንኽትግበሩ እውን ዓብዪ ኣበርክቶ ይገብር።

ኣባልነት ብሪክስ ናብ ሃገር ዝኣቱ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምዕባይን ንፍርያት ንግዲ ወፃኢ ዕድል ዕዳጋ ብምስፋሕን ተወዳዳሪነት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ኣፍረይቲን ዘፈራት ንግዲን እናዓበየ ይርከብ።

በዚ ድማ ዓቕሚ ኢኮኖሚኣ ዝያዳ ክዓቢ ይገብር፤ ድሕሪ ኣባልነት ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፅዕንቶታት ውድድር ንምፅዋር ዘለዋ ዓቕሚ እውን ከጉልብት እዩ።

ኣባልነት ብሪክስ ንጉዕዞ ኢትዮጵያ ናብ ኣባልነት ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ደገፍ ብምሃብ ዓብዪ ኣበርክቶ እናገበረ ይርከብ።

ትማሊን ቅድሚ ትማሊን ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ጉባኤ ብሪህስ፤ ጉዳይ ኣባልነት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ብዝምልከት ኣባል ሃገራት ብዝሃብኦ ድጋፍ ዘረጋገፀ እዩ።

ብኣብረሃም ኣበራ

Comments (0)
Add Comment