ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ችን ሃይ ተዛትዮም።
ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሐ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ንምጥንኻር ዘኽእሉ ጉዳያት ተመያይጦም።
እቶም ኣምባሳደር ኣብቲ እዋን ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኖም ብምምራፆም ናይ እንዃዕ ደስ በሎም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።