ኢትዮጵያን ኢራንን – ን75 ዓመታት ዝተሳገረ ርክብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ወነንቲ ጥንታዊ ስልጣነን ባህሊን ዝኾና ኢትዮጵያን ኢራንን ዲፕሎማስያዊ ርክበን ካብ ዝጅምራ ልዕሊ 75 ዓመታት ተቖሩ ኣሎ።

ወናኒት ስልጣነ ኣኽሱም ዝኾነት ኢትዮጵያን ማእኸል ስልጣነ ፐርሺያ ዝኾነት ኢራንን ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ንግዲን ኢኮኖሚን ንዓመታት ጥንኩር ምትሕብባር ክፈጥራ ክኢለን እየን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ጉባኤ ብሪክስ ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ምስ ፕሬዚዳንት ኢራን መስዑድ ፔዜሽኪያን ተዘራሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዉ እዋናዊ ፍፃመታትን ሓፈሻዊ ኩነታት ፀጥታ እቲ ዞባን ቀንዲ ኣጀንዳ ዘተኦም ከምዝነበረ ፀሪሖም።

ኣገዳስነት እቲ ዘተን ምርግጋእ እቲ ዞባ ንምርግጋፅን ጋህዲ ምግባር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዙርያ ከምዝዘተዪ እውን ገሊፆም ነይሮም።

ኢትዮጵያ ብሽርሒ በሪ ባሕሪ ክትሕደግ ምግባራ ንሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ዓብዪ ኣበርክቶ ኣብ ሰፊሕ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ንምጥንኻር ዘለዋ ዕድል ተገዲቡ ፀኒሑ እዩ።

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዓለም ቀንዲ መስመር መተሓላለፊ ንግዲ ብምዃኑ፤ ሰላምን ፀፅታን እቲ ዞባ ምሕላው ካብ ሃገራት እቲ ከባቢ ሓሊፉ ኣብ ዝተረፈ ዓለም እውን ፅልዋ ኣለዎ።

ነዚ እዩ ድማ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ኣስታት 60 ኪሎ ሜትር ጥራሕ ርሒቓ እትርከብ ኢትዮጵያ፤ ዝተሓደገቶ ታሪኻዊ ወናንነት በሪ ባሕሪ ናይ ህልውና ጉዳይ ብምግባር እናተንቀሳቐሰት ትርከብ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘተኦም ጉዳይ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብትኹረት ምልዓሎም እውን፤ ኢትዮጵያ ካብ ኣጀንዳ ፀፅታ እቲ ዞባ ወፃእ ክትከውን ከምዘይትኽእልን ኣገዳስነታን ዘመላኽት እዩ።

ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ መንግስቲ መደመር፤ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት እትገብሮ ርክብ ብሄራዊ ረብሓኣ ቀዳምነት ዝህብን መትከል ሚዛናዊ ቅዋም ዝተኸተለን እዩ።

ምስ ሃገራት ምዕራብ ይኹን ምስ ኣባል ሃገራት ብሪክስ፤ ምስ ኣፍሪካውያን መሻርኽታ ይኹን ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም እትፈጥሮ ምትሕብባር እውን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመስረተ እዩ።

ዘተ ክልቲኦም መራሕቲ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጂኦፖለቲካዊ ጉጅለ ከይተወሰነት ብሄራዊ ረብሓኣ ቀዳምነት ብምሃብ ሚዛናዊ ዝምድናኣ ከምእትቕፅል ዘመላኸተ እዩ።

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት እትገብሮም ክልተኣዊ ይኹን በዓል ብዙሕ ወገን ርክባት ናይ ካልኦት ኣካላት ፍቓድ ኣይትፅበይን።

ሕዚ ብዘሎ እዋናዊ ስርዓት ዓለም ምስ ሓደ ጉጅለ ጥራሕ ካብ ምውጋን፤ ምስ ኩሎም ወገናት ብምዝርራብ ረብሓ ሃገር ምሕላው ሓደ ዓብዪ መርአያ ብስለት ዲፕሎማሲ እዩ።

ፕሬዚዳንት መስዑድ ፔዜሽኪያን ኣብቲ እዋን ዘተ፤ ክልቲአን ሃገራት ንሸውዓተ ዓሰርተ ዓመታት ዝተሳገረ ርክበን ብምሕዝነት እናቐፀለ ከምዝርከብ ብምዝኽኻር፤ ርክበን ኣብ ሓደሽቲ ማዕቐፋት ምትሕብባር እናተጠናኸረ ከምዝኸይድ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ክልቲአን ሃገራት ኣባላት ብሪክስ ምዃነን፣ ኣብ ምትሕብባር ደቡብ ደቡብን ኣብ ማዕቐፍ ብሪክስን ዘለወን ዝምድና ብዝያዳ ንምጥንኻር ተወሳኺ ዕድል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፔዜሽኪያን ዝገበርዎ ዘተ፤  ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምምሕያሽን ንምድንፋዕ ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተኣሚኑሉ።

ብሃይለማርያም ተገኝ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment