ኢትዮጵያን ጃፓንን ዘፈር ልምዓት ምፍራይ ሩዝ ንምዝማን ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ጃፓንን ዓውዲ ምፍራይ ሩዝ ኢትዮጵያ ንምዝማን ዘኽእል ስምምዕ ሓገዝ 375 ሚሊዮን ብር ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ፋይናንስ ኣሕመድ ሺዴን ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሺባታ ሂሮኖሪን ተፈራሪሞምዎ።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን፤ ዘፈር ሕርሻ ንኢኮኖሚያዊ ለውጢ ኢትዮጵያ፣ ንውሕስና ምግቢን ምዕባለ ገፀርን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

መፍረያይነት ምዕባይ፣ ናብራ ሓረስቶት ምምሕያሽን ዘበናዊን ብቴክኖሎጂ ዝምራሕን ለውጢ ሕርሻ ምቅልጣፍን ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ምዃኖም ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያን ጃፓንን ክልተኣዊ ምትሕብባረን ንምጥንኻር ዘለወን ሓባራዊ ቆራፅነት ዘንፀባርቕ ምዃኑ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

Comments (0)
Add Comment