ኢትዮጵያዊነት ብፈተናታት ዘይተሰኮነ ብወረርቲ ዘይተሰብረ ኢትዮጵያውያን ብመደመር መገዲ ስለ ዝጎዓዙ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ፈተናታት ዘይተሰኮነ ብግዳማዊ ወረርቲ ዘይተሰብረ ኢትዮጵያዊነት ዝተረኸበ ኢትዮጵያውያን ብመደመር መገዲ ስለ ዝጎዓዙ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፡፡

ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ መደመርን ፌዴሪኢ 7ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ስሩዕ ምስረታ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ተኻይዱ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ገይሩ ሰይሙዎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፣ ብሓደ ዕንቅፋት ሓንሳብ ምውዳቕ ተፈጥሮኣዊ እኳ እንተኾነ ተደጋጋሚ ምውዳቕ ግን ጥዕና ዘለዎ ኣይኮነን ኢሎም።

ከም ሃገር ቀዲምካ ዘይምድላው ዘኽፍሎ ዋጋ ንምርኣይ ወራር ጣልያን ዳግማይ ንድሕሪት ተመሊስካ ምጥማት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ውግእ ዓድዋ ርእሱ ኣድኒኑ ዝተመልሰ ወራሪ ሓይሊ ንኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት ርእሱ ቀኒዑ ክመፅእ ዘኽእሎ ድልውነት ከም ዝነበሮ ሓቢሮም።

ብኣንፃሩ ድሕሪ ዓወት ዓድዋ ኣዕሪፍና ብምፅናሕናን ብዘይምድላውናን ኣድላዪ ዘይነበረ ዋጋ ከም ዝኸፈልና ገሊፆም።

ብዘይተዳለኻሉ ግንባር ምግጣም ዝኸፍአ መዓልቲ የለን፤ እቲ ዝኸፍአ መዓልቲ እንደገና ከይመፅእ፣ ሎሚ እውን ዳግማይ ንሕተት ኢና ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ሎሚ ኢትዮጵያ ክንደይ ተዳልያ ኣላ፣ ንሓድሕድና ጉድለት ምንቃስ ገዲፍና ዓይንና ክንደይ ናብ ደገ ይጥምት ክብሉ እውን ሓቲቶም።

ዞባና እናተቐየረ እዩ፤ ጎረባብትና፣ ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ፣ ባሕረ ሰላጤ ፋርስን ማእከላይ ምብራቕን ብኹሉ ኣንፈት ብማዕበል ለውጢ እናተጎብነየ እዩ ኢሎም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብመላኩ ገድፍ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment