ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ርእሰ ሃፍቲ ብምጥቃም ምምዕባል ከምዝከኣል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዘካየደቶም ስራሕቲ ልምዓት ኣረጋጊፃ እያ።
ብፍላይ ኣብ ግድብ ህዳሰን ፅዕንቶ ወፃኢ ብምፅዋር ርእሰ ዓቕሚን ፀጋታት ተፈጥሮኣን ብምትሕብባር ናብ ልምዓት ክትቅይሮም ክኢላ እያ። ካብ ሃገራት እቲ ዞባ ሓሊፋ ንመላእ ኣፍሪካ ብቀረብ ሓይሊ፣ መሰረተ ልምዓትን ምትእስሳር ንግዲን ዝፈፀመቶም ተግባራት ነዚ ዘረጋግፁ ምስክራት እዮም።
ኣብ ልምዓት ስርናይ፣ ዘፈር መዓድን፣ ዲጂታል ኢትዮጵያ፣ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ፣ ከምኡ እውን ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ፣ ብፓርቲ ብልፅግና ዝምራሕ መንግስቲ መደመር ብኣምር ሃገር በቆል ብምምራሕ ኢትዮጵያ ተምሳሌት ምዕባለ ኣፍሪካ ናይ ምግባር ራኢ ሒዙ ብምንቅስቓስ ጭቡጥ ውፅኢት ምምዝጋብ ተኻኢሉ እዩ።
ኢትዮጵያ ብልምዓት ኮሪደር፣ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክታት፣ ልምዓት ከተማ፣ ልምዓት ዝሕደስ ሓይሊ፣ ከምኡ እውን ብፖለቲካዊ ተሳትፎ ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ክትከውን እትኽእል ሃገር እያ።
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢልየን ሃር በቆልን ንምግቢ ዝውዕሉን ፈልሲታት ብምትካል ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ እትምዝግቦ ዘላ ውፅኢት ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበን ንኣህጉርና እውን ኣብነት ዝኸውንን እዩ።
ኣብ ሃገርና ናፃ፣ ፍትሓዊን ዲሞክራስያዊን መረፃ ብምክያድ ልዕሊ 54 ሚልየን ኢትዮጵያውያን ካብ ወጋሕታ ክሳብ ምሸት ብምስላፍ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ሃገሮም ዘለዎም ቆራፅነት ዘርአዩሉ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ፤ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ብምስታፍ፣ ኣብ ዕቤት ዲሞክራሲ ሃገሮም ናይ ባዕሎም ኣበርክቶ ከበርክቱ ከምዝኽእሉ ዘርኢ ሓደ መርኣያ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገርና ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣፍሪካ፤ ፓርቲታት እዋን እናሓለዉ ኣብ መረፃ ካብ ምስታፍ ሓሊፎም ጭቡጥ መሰረታዊ ፀገማት ህዝቢ ብምፍታሕን ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ብምስታፍን እጃሞም ክዋፅኡ ዘኽእል ኩነታት ኣብ ምፍጣር ወሳኒ እጃም ንኽፃወቱ፤ ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ ፍታሕ ንምሃብ ዘለዎም ተራ ብትካላዊ መንገዲ ንምፍፃም ዘኽእል ኩነታት ንምምችቻው ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ።
ፓርቲ ብልፅግና ኣብቲ ጉባኤ ዝተወሰኑ ቃል ኪዳን ኣዲስ ኣበባን ኢኒሼቲቭ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካን ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ብምፍፃምን ተግባራዊነቱ ብምርግጋፅን ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባለ ስልጣነ ኣፍሪካ ፈላሚት ምዃና እተረጋግፀሉ ክኸውን እዩ።