ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብስፍሓት መሬታ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዘበናት ዝተሳገረ ታሪኽ፣ ብብዙሓት ወለዶታት ዝተሃነፀ መንነት፣ ኣብ ውሽጢ ፈተናታት ዘይተሰበረ ፅንዓትን ካብ ሎሚ ንላዕሊ ንቕድሚት ዝጥምት ህዝቢን ዝሓቖፈት ሃገር እያ።
ዓብዪነት ማለት ብዛዕባ ሕሉፍ ምዝራብ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ዓብዪነት ማለት ነቲ ሕሉፍ ናብ ፅባሕ ናይ ምልዋት ዓቕሚ እዩ። ታሪኽ ትማሊ ናይ ሎሚ ሓይሊ ብምግባር ፍልጠት ሎሚ ድማ ናይ ፅባሕ ዓወት ክኸውን ብምህናፅ ይግለፅ።
ኣብዚ እዩ ዓብዪነት ህዝቢ ዝመፅእ። ብዙሓት ቋንቋታት፣ ባህሊታትን ታሪኻትን ዝሓዘ እዚ ህዝቢ ኣፈላላያቱ ናብ ሓይሊ፣ ብዙሕነቱ ድማ ናብ ሓባራዊ ዕድል ክቕይሮ እንተኽኢሉ ዓብዪነቱ ብቑፅሪ ዘይኮነስ ብውፅኢት ይምዘን።
ራኢ ድማ ነዚ ዓብዪነት ናብ ሓደ ኣንፈት ዘተኣኻኽብ ኣረኣእያ እዩ።
ንዝቕፅል ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝመፅኡ ወለዶታት እውን ዝሓስብ ራኢ፤ ሎሚ እንጅምሮ ስራሕ ፅባሕ ንእትረአ ኢትዮጵያ ከም ዝሃንፅ ዝኣምን ራኢ እዩ።
ዓባይ ሃገር፣ ዓብዪ ህዝቢ፣ ዓብዪ ራኢ።
እዚ ናይ ትማሊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ናይ ፅባሕ ተስፋ እውን እዩ።