ኢትዮጵያ፤ ዓባይ ሃገር፣ ዓብዪ ህዝቢ፣ ዓብዪ ራኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብስፍሓት መሬታ ጥራሕ ዘይኮነትስ ዘበናት ዝተሳገረ ታሪኽ፣ ብብዙሓት ወለዶታት ዝተሃነፀ መንነት፣ ኣብ ውሽጢ ፀገም ዘይተሰበረ ፅንዓትን ካብ ሎሚ ንላዕሊ ዝጥምት ህዝቢን ዝተሸከመት ሃገር እያ።

ዓብዪ ምዃን ብዛዕባ ዝሓለፈ ጥራሕ ምዝራብ ኣይኮነን፤ ዓብዪ ምዃን ንዝሓለፈ ናብ ፅባሕ ናይ ምቕያር ዓቕሚ እዩ። ታሪኽ ትማሊ ናይ ሎሚ ሓይሊ ብምግባር፣ ፍልጠት ሎሚ ድማ ናይ ፅባሕ ዓወት ብምግባር ምህናፅ እዩ።

ኣብዚ እዩ ህዝቢ ዓብዪ ምዃኑ ዝግለፅ። ብዙሓት ቋንቋታት፣ ብዙሓት ባህሊታትን ብዙሓት ታሪኻትን ዝሓዘ እዚ ህዝቢ ኣፈላላዩ ናብ ሓይሊ፣ ብዙሕነቱ ድማ ናብ ሓባራዊ ዕድል ክቕይሮ እንተኽኢሉ፣ ዓብዩ ህዝቢ ምዃን ብቑፅሪ ዘይኮነስ ብውፅኢት ክምዘን እዩ።

ራእይ ድማ ነዚ ዓብዪ ምዃን ናብ ሓደ ኣንፈት ዘተኣኻኽብ ኣረኣእያ እዩ።

ዝቕፅል ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ዝመፅኡ ወለዶታት እውን ዝሓስብ ራኢ፤ ሎሚ እንጅምሮ ስራሕ ፅባሕ ንእትረአ ኢትዮጵያ ከም ዝሃንፃ ዝኣምን ራኢ።

ዓባይ ሃገር፣ ዓብዪ ህዝቢ፣ ዓብዪ ራኢ።

እዚ ናይ ትማሊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ተስፋ ፅባሕ እውን እዩ።

Comments (0)
Add Comment