ኢትዮጵያ ሓምላዋይን ዘላቒን ስርዓት ትራንስፖርት ንምህናፅ ትሰርሕ ኣላ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ሓምላዋይን ዘላቒን ስርዓት ትራንስፖር ንምህናፅ ብቆራፅነት ትሰርሕ ኣላ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)።

እቶም ሚኒስትር እዚ ዝበሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ኖርዲክ-ኣፍሪካ እዩ።

ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓምላዋይን ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝፃወርን ስትራቴጂ ልምዓት ኣብ ሃገራዊ ትልሚ ልምዓታ ማእኸል ብምግባር ትሰርሕ ከምዘላ ተዛሪቦም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ምስፋሕ ዝሕደስ ሓይሊን ትሑት ካርቦን ዘለዎ ኢኮኖሚን ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ካብ ዝርከቡ መርኣያታት እዚ ቆራፅነት ምዃኖም ኣስሚሮምሎም።

ዓውዲ ትራንስፖርት ካብ ካርቦን ናፃ ንምግባር ኤሌክትሪክ ዝጥቀም ህዝባዊ ትራንስርት፣ ሓምለዎት ከተማታትን ኮሪደራትን ንፁህ ስርዓት ትራንስፖርት ኣየር ምስ ዝሕደስ ሓይሊ ንምትእስሳር ዝግበሩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ቻርጅ መግበሪ መሰረተ ልምዓት ምስፍሕፋሕ፣ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ፣ ሓፈሻዊ ስታንዳርድታት ምስንዳእ፣ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ እናተሰርሑ ከምዝርከቡን እዞም ስራሕቲ ድማ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።

እቶም ሚኒስትር ካብ ምዕዳግ ቴክኖሎጂ ናብ ውሽጣዊ ዓቕሚ ሃገር ምህናፅ ብምስግጋር ከባቢያዊን ኣህጉራዊን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዘድሊ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ካብ ሃገራት ኖርዲክ እወንታዊ ተሞክሮታት ክወስዳ ከምዝወስዳ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፤ እንተኾነ ግን መፍትሒታት ኣፍሪካ ናይታ ኣህጉር ኩነታትን ድሌት ትራንስፖርትን ዘገናዘቡ ክኾኑ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣፍሪካ ኣብ ዘፈር ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲን ዘላቒ ትራንስፖርትን ዘለዋ ዓቕሚ ብምጥቃም ውሽጣዊ ዓቕሚ ንምህናፅን ኣብ ኣህጉራዊ ምትእስሳር ዋጋ ዝለዓለ ተሳትፎ ንኽህልዋን ዘኽእላ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment