ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ተሓባባሪት ኣዶ ወንበር ቦርድ ፓንደሚክ ፈንድ ኮይነን ተመሪፀን።
ነዚ ስዒቡ ዶክተር መቕደስ ካብ ሚኒስትር ጥዕና ሩዋንዳ ዶክተር ሳቢነ ንሳንዚማና ተሓባባሪት ኣዶ ወንበር ቦርድ ፓንደሚክ ፈንድ ኮይነን ተረኪበን።
ዶክተር መቕደስ ኣብዚ እዋን፤ ህይወት ሕብረተሰብ ንምድሓን ዘኽእል ደሕንነት ጥዕና ዓለም ውሕስና ከረጋግፅን ጥንኹር ስርዓት ጥዕናን ምህናፅ ናብ መፃኢ ወለዶታት ከነመሓላልፍ ዝኽእል ድልዱል ስርዓተ ጥዕና ክንሃንፅ ኣለና ኢለን።
ፓንደሚክ ፈንድ ብወገና፤ ኣብዚ ሓድሽ ሓላፍነት ዓለም ለኸ ሽርክነት ብምጥንኻርን ሃገራት ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኣብ ዝገብርኦ ወፍሪ ንሃገራት ዝወሃብ ደገፍ ብምምራሕ ለውጢ ከምዘምፅእ ዘለዋ እምነት ገሊፃ።
ፓንደሚክ ፈንድ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ዓቕሚ ንምህናፅ ሃንደበት ሓደጋ ጥዕና ንምክልኻል ንምፍላጥን ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብን ዓቕሚ ንምህናፅ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተመስረተ ናይ ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላት ፋይናንስ ኣሰራርሓ እዩ።