ወፍሪ ክታበት ሕማም ንፍዮ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ይውሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ሶማሌን ደቡብ ኢትዮጵያን ሕማም ንፍዮ ንምክልኻል ልዕሊ 418 ሺሕ ህፃናት ንምኽታብ ተተሊሙ ይስራሕ ኣሎ።
በዓል ሞያ ውሃቢ ምላሽ ብክታበት ክከላኸል ዝኽእል ኣብ ጥዕና ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ታደሰ ያለው ከምዝበልዎ፤ ብክታበት ብልፅግናን ጥዑይን ዜጋ ንምፍጣር ፃዕርታት ይግበር ኣሎ።
ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ኣምሓራ፣ ሶማሌን ደቡብ ኢትዮጵያን ወፍሪ ክታበት ሕማም ንፍዮ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 2 ሰነ 2018 ዓ ም ዝፀንሕ ክትባት ምውሃብ ተጀሚሩ፡፡
ኣብቲ ወፍሪ ክታበት ናብ 418 ሺሕን 569 ህፃናት ንምብፃሕ ትልሚ ተታሒዙ ተግባራዊ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ክታበት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕና፣ ኣባይትን ህፃናት ኣብ ዝርከበሉ ከባቢታትን ክወሃብ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
Comments (0)
Add Comment