ንሓሙሽተ ሆስፒታላት 4 ሺሕ ሓገዝ መመርመሪ ኪት ካንሰር በሪ ማህፀን ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)“ብፕሮጀክት ትኽእል እያ” ንሓሙሽተ ሆስፒታላት 4 ሺሕ መመርመሪ ኪት ካንሰር በሪ ማህፀን ሓገዝ ተገይሩ።

ኣባል ጉጅለ መፅናዕቲ እቲ ፕሮጀክት ዶ/ር ቢንያም ተፈራ ከምዝገለፁዎ፤ እቲ ፕሮጀክት መመርመሪ ካንሰር በሪ ማህፀን ንምጥንኻርን መመርመሪ ካንሰር ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ኤችኣይቪ ንምውህሃድን ዘድሀበ እዩ።

ዶ/ር ቢንያም ተፈራ በቲ ፕሮጀክት ኣቢሉ ዝተበርከተ ሓገዝ ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ፣ ኣብ ሆስፒታል መዘከሪ ዘውዲቱ፣ ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ኣብ ኮሌጅ ሕክምና ሆስፒታል ኣዳማን ኣብ ሆስፒታል መማህራን ሬፈራል ኣሰላን ከምዝትግበር ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ብዋናነት ኣብ ቀዳማይ መመርመሪ ካንሰር በሪ ማህፀን ዘድሀበ ብምዃኑ፤ ንሆስፒታላት ዝተበርከቱ 4 ሺሕ ኪታት ነቲ ሕማም ዝጥቓልዓ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይ ምርመራ ንኽገብራ ዝሕግዙ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ቅድመ ምርመራ ካንሰር ንኽግበርን ቀፃሊ ንኽኸውንን ሕሙማት ባዕሎም ናይ HPV መመርመሪ ናሙና ወሲዶም ንኽመርመሩ ዘኽእል መገዲ ንምቅላልን ንምፍጣርን ዝተሓንፀፀ ፕሮጀክት ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

ብቕዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ንምዕባይ ድማ ሰብ ሞያን ሰልጠንቲን ናብ ሓደ ትካል እንተይከዱ ብቨርቹዋል ፕላትፎርም ንሓድሕዶም ክመሃሩ ዘኽእል መገዲ ከምዘመቻቸወ ኣብሪሆም።

ብትእግስት ግዛቸው

Comments (0)
Add Comment