ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳርን ሓባራዊ ዕቤትን ብትግሃት ክትሰርሕ እያ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንንዞባዊ ምትእስሳርን ሓባራዊ ዕቤትን ብትግሃት ክትሰርሕ እያ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ።

ኣኼባ ሚኒስትራት ፋይናንስ ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኬንያ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ሚኒስትር ብመርበብ ሓሬታ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ነቲ ዞባ ብመሰረተ ልምዓት ዘራኽቡ ፕሮጀክታት እናሃነፀት ከም እትርከብ ኣብሪሆም።

ንኣብነት ቀረባ እዋን ዝተጀመረ ፕሮጀክት መመሓላለፊ ነዳዲ ኢትዮ-ጅቡቲ፤ ድሕንነት ሓይሊ እቲ ዞባ ከም ዘጠናኽርን ወፃኢታት ሎጂስቲክስ ከም ዝንኪን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት መመሓላለፊ ኔትዎርክ ሓይሊ ምዃና ብምሕባር፤ ብዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣቢላ ኣብቲ ዞባ ኣብ ቀረብ ንፁህ ሓይሊ ልዑል ኣበርክቶ እናገበረት ምዃና ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ሳምንታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስትራት ንግዲ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ከም እትድግፍ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ንውህደት ዘፈር ሓይሊ ቁልፊ ዝኾኑ ፀገማት ዝተፈለዩሉ ውፅኢት ዞባዊ መፅናዕቲን ክትትልን ከም ዝቕበል ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ኣመዓራራዪ ንግዲ ከምተበረታትዕ እውን ኣመልኪቶም።

ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ፀገማት ክሌማዊ ለውጢ ፅዕንቶ እናኣተወ ምዃኑ ብምሕባር፤ ዓቕሚ ምፅዋር ክሌማዊ ለውጢ ምጥንኻር ኣድላዪ እዩ ኢሎም።

መሓዛ ልምዓት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ባንኪ ዓረብ ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝፈጠሮ ሽርክነት ብምንኣድ፤ እቲ ባንኪ ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ንግዲ ንምጥንኻር ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ቀፃሊ ዘተ ምክያድ ከም ዘድሊ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣመልኪቱ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment