ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ብኹሉ መዳይ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት ትሰርሕ ኣላ – ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻ ጥራይ ዘይኮነስ ብኹሉ መዳይ ሰፊሕ ስራሕቲ ልምዓት እናሰርሐት ትርከብ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኦቢኤን ኣብ ዝገበርዎ ፃሒት፤ ብዛዕባ ሕቶታትን ቃልስታትን ህዝቢ ኦሮሞ፣ ታሪኽ ኢትዮጵያን ኣበርክቶ ህዝቢ ኦሮሞን ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ ኣብዚ እዋን እናተራእየ ዘሎ ብዙሕ ዘፈር ዝሓቖፈ ለውጢ ምኽሓድ ኣይከኣልን፤ ይኹን እምበር መቲ ዝተረኽበ ውፅኢት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ሰፊሕ ስራሕን ፃዕሪን ይሓትት ኢሎም።

ብጭቡጥ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዙሓት ነገራት እናተመዝገቡ ይርከቡ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስር፤ ንኣብነት ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፍርያት ሕርሻ ካብ 168 ሚልዮን ኩንታል ናብ 510 ሚልዮን ኩንታል ዝበፅሐ ዕቤት ልዑልን ዘተባብዕን ውፅኢት ምዃኑ ኣልዒሎም።

ሃፍቲ ምዕባይ ብቐጥታ ተረባሕነት ህዝቢ ከምዘዕቢ ብምፅራሕ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ልምዓት ከተማታት ጭቡጥ ለውጢ ከምዝመፅአ ገሊፆም።

ንኣብነት ድማ ኣብ ከተማታት ቢሾፍቱ፣ ኣዳማ፣ ጅማ፣ ሮቤን ካልኦትን ዝተራእየ ንጥፈት መርኣያ ናይዚ ዓብይ ለውጢ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እቶም ዝተመዝገቡ ዓወታት ምሕላው፣ ምስፋሕን ክፍተታት ናይዞም ዓወታት እናመላእካ ምኻድን ናይ ወለዶ ስራሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ መስርሕ ሃገር ምህናፅ፤ ደሙ፣ ኣዕፅምቱን ረሃፁን ብምፍሳስ ኣድላዪ መስዋእትነት ከምዝኸፈለ እውን ኣዘኻኺሮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment